እቲ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፈተናታት ናይ ምፅዋር ዓቕሙ ንክጠናኸር ገይሩ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 9/2018 (ኢዜኣ) እቲ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፈተናታት ናይ ምፅዋር ዓቕሙ ንክጠናኸር ከምዝገበረ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኣኼባ እዋን ፅድያ 2026 ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝ(ዶ/ር) ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ(ኣይኤምኤፍ) “ምስቲ ሓዱሽ ዓለም ለኸ ስነ ምህዳር ፋይናንስ ምጥዕዓም” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘዳለዎ ላዕለዋይ ዘተ ፓነል ተሳቲፎም።



ኣብቲ እዋን፤ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ቀረብ ፋይናንስ ኣብ ዝተገደበሉ እዚ እዋን ብሃገር ቦቆለ ስጉምትታት ሪፎርም ፈተንቲ ኩነታት ከመይ እናተዋፅአት ከምትርከብ ኣብራህሪሆም።
ዋና ዋና ጥብታት ሓፈሻዊ ሪፎርም መመሓየሺ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ እውን ኣልዒሎም እዮም።
እቲ ሪፎርም ተመን ሸርፊ ንምጥንኻር፣ፖሊሲ ገንዘብ ንምምዕባል፣ኣተኣኻኽባ ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንምዕባይን እቲ ኢኮኖሚ ብዝበለፀ ብዓውዲ ውልቀ ዝምራሕ ንምግባርን ዝሳለጡ መዋቕራዊ ሪፎርማት ዝሓዘ እዩ ኢሎም።
ምጥንኻር ዓቕሚ ምፅዋር እቲ ኢኮኖሚ ኣብ ንግዲ ወጻኢ፣ውህላል ሸርፊ ወጻእን ኣተኣኻኽባ ኣታውን ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአ ከምዝኾነ ገዛኢ እቲ ባንኪ ገሊጾም።
ዋላ ኳ ሪፎርም ኢትዮጵያ ብዋንነት ውሽጢ ሃገር ዝምራሕ እንተኾነ መሓዙት ልምዓት ዝገብርዎ ዝተዋደደ ደገፍ ንውፅኢታውነቱ ኣድላይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ብፍላይ ድማ ዓለም ለኻዊ ዘይምርግጋዕ ብግልፂ ኣብ ዝረኣየሉ እዚ እዋን ሃገራዊ ፃዕርታት ልምዓት ንምዕዋት መሓዙት ልምዓት ዝገበርዎ ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
እዚ ዘተ ፓነል ኢትዮጵያ ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ፣ሪፎርማት ንምጥንኻርን ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾኑ ዓለም ለኸ ፈተናታት ብዝበለፀ ጠንካራን ኩለ መዳያውን ኢኮኖሚ ንምህናፅን ዘለዋ ቆራፅነት ዳግማይ ዘረጋገፀ ኮይኑ እዩ ክብሉ ኣብሪሆም።
እቶም ገዛኢ ብብርኪ ሃገር እናዓበየ ዝመፀ ድሌት ለውጥን ብልፅግናን ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ መርኣያ ኣፍሪካ (Beacon) ምዃን እያ ትርከብ ኢሎም።
ኣብቲ ዘተ ጥንካረ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ናእዳ ከምዝረኸበ ሓበሬታ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም