ህንፀት ሙዜም ሉሲ ንዕቤት ዓውዲ ቱሪዝም ሃገርን እቲ ክልልን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ እዩ

ሰመራ/ሚያዝያ 8/2018 (ኢዜኣ) ህንፀት ሙዜም ሉሲ ንዕቤት ዓውዲ ቱሪዝም ሃገርን ክልል ዓፋርን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣበባው ኣያሌው (ረዳት ፕሮፌሰር) ገሊፆም።
በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያን ቢሮ ቱሪዝም ክልል ዓፋርን ኣብ ከተማ ሰመራ ሙዜም ሉሲ ንምህናፅ ስምምዕ ህንፀት ፕሮጀክት ሎሚ ኣሳሊጦም።



ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣበባው ኣያሌው (ረዳት ፕሮፌሰር) ኣብ እዋን እቲ ስምምዕ ከምዝበልዎ፤ እቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ትኹረት ሂቡ ተግባራዊ ካብ ዝገብሮም ዘሎ ዓውድታት ዓውዲ ቱሪዝም እቲ ሓደ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ መባፅሕታት ቱሪዝም ብምልማዕን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብምህናፅን እቲ ዓውዲ ኣብ ኢኮኖሚ ዝለዓለ እጃም ንከበርክት እናገበረ እዩ ኢሎም።
ስራሕ ህንፀት ሙዜም ሉሲ ኣብ ክልል ዓፋር እውን መርኣያ እዚ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ እቲ ሙዜም ተመራመርቲ እቲ ዓውድን ቁፅሪ ጎብነይትን ኣብ ምዕባይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
እቲ ሙዜም ኣመፃፅኣ ወዲ ሰብ ዘርኢ ዓውደ ርእይ ዝካየደሉ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ባህልታት ህዝቢ ዓፋር ንምልላይ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኸውን ኣብሪሆም።
እቲ ሙዜም ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኸውንን 329 ሚሊየንን 873 ሽሕን 869 ብር በጀት ከምዝተመደበሉን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም