ኣብዚ ወርሒ 3 ዓለም ለኸ ፍፃመታት ስፖርት ክካየዱ እዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 8/2018(ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ግራንድ ፕሪ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ዝሓዝናዮ ወርሒ ሚያዝያ 3 ዓለም ለኸ ስፖርታዊ ፍፃመታት ክካየዱ እዮም።
ካብቶም ዝካየዱ ዓለም ለኻዊ ስፖርታዊ ፍጻመታት እቲ ሓደ ውድድር ኣትሌቲክስ ሓደ መዓልቲ ግራንድ ፕሪ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ቀዳም ክካየድ እዩ።
እዚ ውድድር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ዝካየድ እንትኸውን፤ መንግሥቲ ነቲ ዓውዲ ብዝሃቦ ትኹረት መሰረተ ልምዓታት ስፖርት ምስፍሕፍሑ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ተሓቢሩ።



ኣብቲ ኣብ ስታዴም ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ውድድር ብብርኪ ዓለም ተፈለጥቲ ኣትሌታት ከምዝሳተፉ እውን ተገሊፁ።
ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ሲቲ ማውንቴን ባይክ ኢሊሚኔተርን ግራንድ ኢትዮጵያን ረንን ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሚያዝያ ዝካየዱ ውድድራት እዮም።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ውድድር ዕዉት ንክኸውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት እኹል ምድላው ካብ ምግባር ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ስፖርት ንምልላይ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም