መበል 3ይ ጉባኤ ምርምር ሓድጊ ካብ 13 ሚያዝያ ጀሚሩ ክካየድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 3ይ ጉባኤ ምርምር ሓድጊ ካብ 13 ሚያዝያ ጀሚሩ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 7/2018 (ኢዜኣ) "ምርምር ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ዲጂታል" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 3ይ ጉባኤ ምርምር ሓድጊ ካብ 13 ክሳብ 14 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ከምዝካየድ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኤሊያስ ሽኩር ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ “ምርምር ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ዲጂታል" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ክካየድ።
እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ዓውዲ ልምዓት ሓድጊ ዘለዉ ማሕለኻታት መርሚሩ መፍትሒ ንምሃብ፣ ሓደሽቲ ፍልጠታት ንምልውዋጥን ተሳትፎ መዳርግቲ ኣካላት ንምዕባይን ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ምርምር 13 ሓደሽቲ ፅሑፋት ምርምር ከምዝቐርቡ ብምግላፅ፤ እቲ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ኣፍሊጦም።