ፕሮግራም ልምዓት ሓይሊ ሰብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንዕውትነት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዚያ 7/2018 (ኢዜኣ)፦ፕሮግራም ልምዓት ሓይሊ ሰብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንዕውትነት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ከም ዝኸፍት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም፡፡ 
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እናተለወጠ ምስ ዘሎ ዞባውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ንምስጓም፤ ዲፕሎማሰኛታት እኹል ፍልጠትን ክእለትን ክህልዎም ንምግባር ተሓሲቡ ዘዳለዎ ፕሮግራም ልምዓት ሓይሊ ሰብ ዕላዊ ዝተግበረሉ መድረኽ ተኻይዱ፡፡ 



እቲ ፕሮግራም ዲፕሎማሰኛታት እዋኑ ዝጠልቦ እኹል ፍልጠትን ክእለትን ተዓጢቖም ሃገራዊ ረብሓ ክሕልዉ ንምግባር ዝዓለመ እዩ፡፡ 
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከም ዝተዛረብዎ፤ እቲ ትካል ብዝለዓለ ብርኪ ንምዝማን ዘኽእል ናይ ሰለስተ ዓመት ሓፈሻዊ ፍኖተ ካርታ ህንጸት ትካል ተነዲፉ ናብ ስራሕ ተኣትዩ እዩ፡፡  
ኣካል እቲ ፍኖተ ካርታ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ተግባራት እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ብምግላጽ፤ ብፍላይ ምዝማን እቲ ትካልን ምቹው ከባቢ ስራሕ ምፍጣርን ትኹረት ተዋሂብዎም እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡ 
ዓቕሚ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ምዕባይ ንውፅኢታውነት ወሳኒ ከም ዝኸነ ዝገለጹ እቶም ሚኒስትር፤ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ውሽጢ ዝተሓለለኸ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ንኢትዮጵያ ብብቕዓት ክውክሉ ክእለቶም፣ ፍልጠቶምን ግንዛብኦምን ሐዚ ካብ ዝለዎ ንላዕሊ ክብርኽ ከም ዝግበር ገሊፆም፡፡ 
እቲ ፕሮግራም ልምዓት ሓይሊ ሰብ ተለዋዋጢ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ኩነታት ፖለቲካን ኢኮኖሚን ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ 



እቲ ሚኒስቴር ትካላዊ ዓቕሙን ውሽጣዊ ኣሰራርሕኡን ዘመናውን ውፅኢታውን ንምግባር ቀዳሚ ዕላምኡ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፡፡ 
ዲፖሎማሰኛታትን ሓለፍቲ ስራሕን ብሙያዊ ክእለቶም፣ብትንታነን ተግባራዊ ፍልጠትን ከማዕብሉ ከም ዝግበር እውን ኣገንዚቦም፡፡ 
ዓለም ለኻዊ ልምዲ ዝሓለዉ ልምድታት ዲፕሎማሲ ኣብ ውሸጢ እቲ ትካል ተግባራዊ ምግባር ኣብ ግምት ዘእተወ ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም፡፡ 
ናይቲ ፕሮግራም ተግባራዊ ምዃን ኢትዮጵያ ኣብ ዞባውን ዓለም ለኻውን ጉዳያት ዘለዋ ተሰማዕነት ከም ዘዕብዮ ብምግላፅ፤ ንዕውትነት ዲፕሎማሲ እታ ሃገር ሓዱሽ ምዕራፍ ከም ዝኸፈተ ተዛሪቦም፡፡ 
እዚ ኩለመደያዊ ኣጀንዳ ሪፎርም ንዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስቴርን ስልጠና ሙያ ብምሃብ፣ስርዓተ ትምህርቲ  ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ(IFA) ምኽላስ፣ ሓዱስ ደንቢ ስነ ምግባር ምድላውን ዝለዓለ ትምህርተ ድሕረ ምረቓ ምድላውን ዝብሉ ይርከብዎ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም