ኣስተምህሮ ሃይማኖታት ህንፀት ፀጋ ሰላምን ሓድነት ህዝብታትን ንምጥንኻር ክንጥቀመሉ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣስተምህሮ ሃይማኖታት ህንፀት ፀጋ ሰላምን ሓድነት ህዝብታትን ንምጥንኻር ክንጥቀመሉ ይግባእ
ኣሶሳ/ሚያዚያ 7/2018 (ኢዜኣ) ኣስተምህሮ ሃይማኖታት ህንፀት ፀጋ ሰላምን ሓድነት ህዝብታትን ንምጥንኻር ክንጥቀመሉ ይግባእ ክብሉ ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ገሊፆም።
መበል 7ይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም “ሰላም ብዝበለፀ ንምስፋሕን ንምስራፅን እጃም ሃይማኖታት” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ይካየድ ኣሎ።
ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንምፅናዕን ድልድል ሕውነት ንምህናፅን ስራሕ ምጥንኻር ማዕርነትን ሕብረትን ሃይማኖታት እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ሃይማኖታት ንሰላምን ሓድነት ህዝብታትን ዘለዎም ኣስተምህሮ ብምጥቃም ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓትን ግንባር ቀደም ተሳትፊ ክኾኑ ኣለዎም ኢሎም።
ኣስተምህሮ ሃይማኖታት ህንፀት ፀጋ ሰላምን ሓድነት ህዝብታትን ንምጥንኻር ክንጥቀሙ ይግባእ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ካባ ሃይማኖት ተኸዲኖም ኣብ መንጎ ህዝብታት ጎንፂ ንምፍጣር ዝሰርሑ ውልቀ ሰባት ብምኹናን ምክእኣልን ሕብረትን ሃይማኖታት ኣብ ዝሰብኩ ጉዳያት ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ኮንፈረንስ፤ ኣቦታት ሃይማኖት፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥትን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።