ወሎ መርኣያ ብዝሃነትን ሓድነትን እያ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 7/2018 (ኢዜኣ) ወሎ ብዝሃ ሃይማኖትን ባህልነ ዝርከቡላ፣መርኣያ ፍቕርን ሓድነትን ከምኡ እውን ማህደር ታሪክ እያ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ወሎ ኮምቦልቻ ከምዝኣተዉ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።



እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ከም ሩባ ቦርከና ብዘይነፅፍ ርሕራሐን ትሕትናን እቲ ህዝቢ ከምኡ እውን ከም ጎቦ ጦሳ ብዝዓበየ እንግዶትን ድሙቕ ኣቀባብላን ልቦም ፍሉይ ሓጎስ ከምዝተሰምዖም ገሊፆም።
ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ወሎ ኮምቦልቻ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ንዝገበሩሎምን ኣርሂቡ ኢሎም ንዝተቐበልዎምን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፣ላዕለዎት ኣምራርሃ እቲ ክልል፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን መላእ ህዝቢ ወሎን ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም