መንግስቲ እቲ ክልል ግልፂ ትልሚ ብምቕማጥ ሂወት ህዝቢ ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ እዩ- ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ እቲ ክልል ግልፂ ትልሚ ብምቕማጥ ሂወት ህዝቢ ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ እዩ- ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ
ቢሾፍቱ፤ሚያዚያ 7/2018(ኢዜኣ)፦ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ግልፂ ትልሚ ብምቕማጥ ሂወት ህዝቢ ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ ከም ዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።
መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ገዛኢ ፖርቲ ብልፅግናን ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ኣብ ከተማ በቢሾፍቱ ምክያድ ጀሚሮም።
ኣብቲ ግምገማ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወይዘሮ ሳዓዳ ኣብዱራህማን፣ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኦሮሚያ ኣይተ ከፍያለው ተፈራን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ክልልን ይሳተፉ ኣለዉ።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብዚ እዋን፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ እቲ ክልል ግልፂ ትልሚ ብምቕማጥ ሂወት ህዝቢ ዝቕይሩ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጠ እዩ ኢሎም።
ብፍላይ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብመልክዕ ኢኒሼቲቭ ክትግበሩ ዝፀንሑ ስራሕቲ ልምዓት ኣብቲ ክልል መሰረታዊ ለውጢ ክምዝገብ ከም ዘኽኣሉ ኣመላኺቶም።
እቲ ገምጋም ሳልሳይ ርብዒ ዓመት እቲ ክልል ዝሓዞም ዕላማታትን ተልእኾታትን ዕዉት ብዝገብር መልክዑ ከም ዝሳለጥ እውን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ መበገሲ ትልሚ 2019 ዓ.ም ዝቐርብ ኮይኑ፤ ኣብቲ ግምገማ ኣመራርሓታት ዞባ፣ ከተማን ወረዳን እናተሳተፉ ይርከቡ።