ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 6/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ. ዝነበሮም ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ሓቢሮም።
ኣብ ዘተኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ዝፀንሐ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ንምስፋሕን ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝተኸፈተ ፀሪሖም።
ካብቲ ክልቲኣዊ ኣኼባ ብተወሳኺ ብክልቲአን ሃገራት ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ንምዕዋት ዘሎ ቆራፅነት ዘረጋግፅ መረዳድኢ ስምምዕ ከምዝተፈረመ ኣፍሊጦም።
እዞም ስምምዓት እዚኦም ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ጉዕዞ ለውጢ ዘኻዕበተቶ ልምዲ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ከም ወሳኒ መሰረት ኮይኖም ከገልግሉ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን እቶም ስምምዓት ካብ መሓዙት ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ብምቕሳም ንዕቤት እቲ ኣህጉር ዘላቕን ኣፍሪካውን መፍትሕታት ብሓባር ንምንዳይ ከም ወሳኒ መሰረት ከምዘገልግሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ) ገሊፆም።