ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ካብ ሓባራዊ ታሪኽ ፅንዓት ዝፍልፍል ዕሙቕን ዘበናት ዝተሳገረን ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 6/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ካብ ሓባራዊ ታሪኽ ፅንዓት ዝፍልፍል ዕሙቕን ዘበናት ዝተሳገረን ርክብ ዘለወን ሃገራት ከም ዝኾና ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ቦአካይ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግሥቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ ንዝመፁ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ኣብ ብሄራዊ ቤተ-መንግሥቲ ተረኺበ ኣቀባብላ ብምግባረይ ልዑል ክብሪ ይስመዓኒ ኢሎም።



ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝኣ፣ ንነፃነትን ሓድነትን እቲ ኣህጉር ድምፂ ብምዃን ካብ ሓባራዊ ታሪኽ ፅንዓት ዝፍልፍል ዕሙቕን ዘበናት ዝተሳገረን ርክብ ዘለወን ሃገራት ከም ዝኾና እውን ኣዘኻኺሮም።
ኢትዮጵያ ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ኩሉ ግዜ ካብ ሰፊሕ መኣዳ ዘለዋ ዓብይ ዓቕምን ዘላቒ ምሕዝነትን ሓቢሮምዋ ንዝጎዓዙ ኩሎም ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።
በዚ መንፈስ ዝተሳለጠ እዚ ዑደት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ ምጥንኻር፣ ሓባራዊ ሕልምታት ኣብ ዘይናወፅ መሰረት ኣብ ምንባርን ኣብ ቆራፅነት ምፍፃምን ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝኸውን ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎም እውን ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም