ኢትዮጵያ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘለዋ ተመኩሮ ንሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ቅርብቲ እያ - ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/6/ 2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዘለዋ ተመኩሮ ንሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ቅርብቲ ምዃና ዋና ዳይሬክተር ኢንስትዩትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)።
ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ላይቤሪያ ሳራ ቤይሶሎው ኒያቲ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ።



ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን፤ እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ምርምርን ምዕባለን ጀሚሩ ፀገማት ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ኣብቲ ዓውዲ ዘካየዶ ስራሕቲ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብራህርሂኦም፤ እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ጠመተ ገይሩ ከምዝሰርሕን ተመኩሮታቱ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ንምክፋል ድልው ምዃኑን ኣረጋጊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንዝሰርሓቶ ስራሕ ዓወት ንሃገራት ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ንላይቤሪያ ዓብዪ ትምህርቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እትሰርሖ ዘላ ስራሕ ንሃገራት ኣፍሪካ ተመክሮን ኣብነትን ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም