መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ሃናፂ ግደ እናተዋፅአ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንፍርያትን መፍረያይነትን ሕርሻ ሃናፂ ግደ እናተዋፅአ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 6/2018(ኢዜኣ)፡- መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ስርዓተ ምግቢ ብምምሕያሽ፣ ዕዳጋ ብምዕባይን ስነ ምግዳር ብምምላስን ፍርያትን መፍረያይነትን ብምዕባይ ሃናጺ ግደ እናተፃወተ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ፕሮፌሰር ኢያሱ ኤልያስ ገሊፆም፡፡
መበል 20 ዓመት ምስረታ ጥምረት ሓምለዋይ ቃልሲ ኣፍሪካ /ኣግራ/ ምኽንያት ብምግባር ዘተ ላዕለዎት ሰብ ሞያን ሓለፍቲ ስራሕን ተሳሊጡ፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ፕሮፌሰር ኢያሱ ኤልያስ ኣብዚ እዋን ከም ዝበሉዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ውሕስና ምግቢ ንምርጋፅን ዘላቒ ዕብየት ንምምዝጋብን ስግግር ሕርሻ ወሳኒ እዩ፡፡
ስግግር ሕርሻ ንምርግጋጽ ድማ ንሓረስታይ ዘላቒ ዕድላት ኢንቨስትመንት ምፍጣር የድሊ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሜካናይዜሽን ሕርሻ ብምዕባይ፣ ጠንካራ ስጉምቲ ፖሊሲ ብምኽታልን ቖራጽ ኣመራርሓ ብምሃብን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እምርታዊ ውጽኢት ከም ዘመዝገበት ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀዳሚት መፍረይት ስርናይን ለኣኺት ቡንን ክትኸውን ከም ዝኸኣለት ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ኣበርክቶ ልምዓት መስኖን ስራሕቲ ኤክስቴንሽንን ዝለዓለ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፡፡
ኣብ ሕርሻ ኢትዮጵያ ስትራቴጂ ኣግሮ ፎረስትሪን ካልኦት ኢንሼቲቫትን ብምጅማር ስርዓት ፍርያት ክቕየር፣ እታዎት ትራክተርን ኮምባይነርን ክመሓየሽ ከም ዝተገበረ ገሊፆም፡፡
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ከባቢ ብምሕላው፣ ዕዳጋ ብምዕባይን ስርዓተ ምግቢ ብምምሕያሽን ንፍርያትን መፍረያይነትን ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ኢትዮጵ ብለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይስዓር ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ ስርዓት ሕርሻ ተግባራዊ እናገበረት ከም ዝኾነት እውን ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ኩለመደያዊ ስግግር ብምፍጣር ስግግር ገጸር፣ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ከም ዕላማ ብምሓዝ እናሰርሐት ከም ዝኾነት ኣመላኺቶም፡።
ጥምረት ሓምላዋይ ቃልሲ ኣፍሪካ /ኣግራ/ ለውጢ ኩነታት ኣየር ንምፅዋር ዘኽእሉ ስራሕቲ ምምኻር፣ ኣብ ልምዓት መስኖን ዝተመሓየሸ ሕርሻን ትኹረት ብምግባር ንታሕተዎት ሓረስቶት ድጋፍ እናገበረ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ብጠንካራ ኣመራርሓን ውሳነ ውሃብነትን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዓወታት እናመዝገበት እያ ኢሎም፡፡