ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ኣብ ወታደራዊ ኢንዱስትርን ቴክኖሎጅን ዘለወን ምትሕብባር ንምዕባይ ተስማዕሚዐን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ኣብ ወታደራዊ ኢንዱስትርን ቴክኖሎጅን ዘለወን ምትሕብባር ንምዕባይ ተስማዕሚዐን
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 6/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ኣብ ወታደራዊ ኢንዱስትርን ቴክኖሎጅን ዘለወን ምትሕብባር ንምዕባይ ተስማዕሚዐን።
ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ሎሚ መዓልቲ ንሚኒስትር ምክልኻል ሪፐብሊክ ላይቤሪያ ብርጋዲየር ጄኔራል ጄራልዲን ጃኔት ጆርጅ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ኣዘራሪበን።
እተን ሚኒስትራት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር ኣብ ዝከኣለሎም ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ክልቲአዊ ዘተ ገይረን።
ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር አይሻ መሀመድ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያን ላይቤሪያን መርኣያ ነፃነት ኣፍሪካ እየን።
እዚ ምትእስሳር ታሪኽ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንዘሎ ወታደራዊ ምትሕብባር እተን ሃገራት ጠንካራ መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ብፍላይ ድማ ኣብ ወታደራዊ ኢንዱስትርን ህንፀት ዓቕምን ብምትሕብባር ንምስራሕ ኢትዮጵያ ድልውቲ ከምዝኾነት ሓቢረን።
ሚኒስትር ምክልኻል ላይቤሪያ ብርጋዲየር ጄኔራል ጄራልዲን ጃኔት ጆርጅ ብግደአን፤ ንዝተገበረለን ኣቀባብላ ብምምስጋን ኢትዮጵያ ወፍሪ ምኽባር ሰላም ሓዊሱ ኣብ ወታደራዊ ሳይንስን ህንፀት ዘበናዊ ምክልኻልን ዘለዋ ተሞኩሮ ንላይቤሪያ ዓብይ ትምህርቲ ዝህብ እዩ ኢለን።
ላይቤሪያ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሰፊሕ ልምዲ ንምቕሳም ልዑል ድሌት ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውድታት ስልጠናን ቴክኖሎጅን ወታደራዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምዕባይ ከምዝሰርሓ ምግላፀን ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
እዚ ዘተ ኣካል ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ላይቤሪያ ጆሴፍ ኒዩማ ቦአካይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት እዩ።