ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘመዝገበቶም ዓወታት ንመላእ ኣፍሪካ ኩርዓት እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘመዝገበቶም ዓወታት ንመላእ ኣፍሪካ ኩርዓት እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 6/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘመዝገበቶም ዓወታት ንመላእ ኣፍሪካ ኩርዓት እዮም ክብላ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ላይቤሪያ ሳራ ቤይሶሎው ኒያቲ ገሊፀን።
ብሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ላይቤሪያ ሳራ ቤይሶሎው ኒያቲ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ፓርክ ቴክኖሎጂ ኢንፎርሜሽን ኢትዮጵያ ተዓዚቡ።
እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዝተርኣዩ ለውጥታት ንመላእ ኣፍሪካ ኩርዓት እዮም።
ኢትዮጵያን ላይቤሪያን ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዘለወን ድሌት እውን ኣረዲአን።
ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውድታት ቴክኖሎጂ፣ግብርናን ትምህርትን ብምትሕብባር ብምስራሕ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ተረባሒ ምግባር ይግባእ ኢለን።
ኣፍሪካ ዘለዋ ሰፊሕ ሓይሊ ሰብ ብፍላይ ድማ ሓይሊ መንእሰይ ብኣግባቡ ንምጥቃም ኣብ መንጎ ሃገራት”ደቡብ-ደቡብ” ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ኣድላይ ከም ዝኾነ ሓቢረን።
ኣብ ፓርክ ኣይ ሲቲ ዝተዓዘብኦም ማእኸላት ዳታ ብዝምልከት እውን ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ወፃኢ(outsourcing)ን ዓውዲ ፈጠራን ኣብታ ኣህጉር ተወዳዳርን ጠንካራን ዓቕሚ እናሃነፀት እያ።
እቲ ማእኸል ዳታ ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ሓበሬታ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ናይ ምሓዝ ብቕዓት ከምዘለዋ መርኣያ ከምዝኸነ ብምግላፅ፤ ላይቤሪያ ካብ ኢትዮጵያ ተሞኩሮ ቴክኖሎጂ ብምውሳድ ናይ ባዕላ ማእኸል ዳታ ንምህናፅ ዘለዋ ድሌት ኣረጋጊፀን።
እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ክልቲአን ጥንታውን ኣፍሪካውን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ ናብ ተግባራዊ ምሕዝነት ኢኮኖምን ቴክኖሎጅን ዘሰጋግር እዩ ኢለን።
ብፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ዝፍለጥ እንትኸውን፤ ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይሮምሎም እዮም።