ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 5/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ፕሬዚዳንት ላይቤሪያ ጆሴፍ ንዩማ ቦአካይ ናብ ብሩህ ተስፋ ፅባሕ እናተሰርሐላ ትርከብ ምድረ ቀዳሞት ኢትዮጵያ እንኳዕ ብሰላም መፁ ኢሎም።
ኣብ ፃንሒት እቶም ፕሬዚዳንት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝህልዎም እውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።