ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፍ ምብሳር ዘኽእሉ ዝጭበጡ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፍ ምብሳር ዘኽእሉ ዝጭበጡ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 5/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፍ ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምሽፋን ልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፍ ምብሳር ዘኽእሉ ዝጭበጡ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሰብኣዊ ደገፍ ብኣተሓሳስባ ባዕላዊ ዓቕሚ ተግባራዊ እናተገበረ እዩ።
ኢትዮጵያ ከም ሃገር ምንም ዘይጎደላ ኮይና እናሃለወት ንምንታይ ተመፅዋቲት ትኸውን ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝተበገሰ ኢንሼቲቭ ከምዝኸነ እውን ሓቢሮም።
እቲ ኢንሼቲቭ ተመፅዋታይነትን ተፀባይነትን ናበይ እዩ ዝወስደና ዘሎ ካብ ዝብል ጣዕሳ ብምብጋስ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፤ ሰብኣዊ ደገፍ ብባዕላዊ ዓቕሚ ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ጉዳይ ክብሪ፣ነፃነትን ልኣላዊነት ሃገርን እዩ ኢሎም።
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ መንግሥቲ ተመፅዋታይነት ንምትራፍን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝጭበጡ ለውጥታት ከምዘመዝገበ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፍ ብባዕላዊ ዓቕሚ ብምሽፋን ልኣላዊነት ሰብኣዊ ደገፍ ምብሳር ዘኽእሉ ዝጭበጡ ስራሕቲ እናሳለጠት ከም ዝኾነት ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ 10 ክልላት ሰብኣዊ ደገፍ ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ምሽፋን ከምዝኸኣላ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ወፃኢ እነእትዎ ስርናይ የለን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ደገፍ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምሽፋን ዝጀመረቶ ጉዕዞ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብልዑል ተበግሶ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፤ ኣብ ዕዉት ምዕራፍ ከምዝርከብ ድማ ገሊፆም።