ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 3/2018(ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ በዓል ትንሳኤ 4 ነገራት ዝተሰረዝሉ መዓልቲ እዩ ኢሎም።
ንሳቶም እውን ሞት፣ መግነዝ፣ መቓብርን ማኅተምን ከም ዝኾኑ ገሊፆም።
ሞትን መቓብርን ካብ ኣዳም ዝመፁ ዕዳታት እዮም ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ መግነዝ ናይ ፈታዊ ማኅተማ ድማ ናይ ፀላኢ እዮም ኢሎም።
ብምኽንያት እቲ ዝተቐበሎ ዕዳ ካብ ፈተውቱ ብዝረኽቦ መግነዝን ምልዓሉ ዘይደልይዎ ፀላእቱ ብዝህትምዎ ማህተምን ወዲ ሰብ ብኣርባዕቲኦም ፈተና ይገጥሞ ክብሉ ኣረዲኦም።
ኢየሱስ ክርስቶስ ዕዳ ሞትን ምርቓብርን ኣዳም፣ መግነዝ ዮሴፍ፣ ማህተም በሪ መቓብር ቀያፋን ስዒሩ ትንሳኤኡ ኣዊጁ ዝበሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ እዩ ንትንሳኤ ዓብይ በዓልን መዓልትን ዝገበሮ ኢሎም።
ኢትዮጵያውያን ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ዕዳ ዝሓለፈ ዘበን ኣለና ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ምስራዝ እንትኣብዮም ፈተውትና ዘልበሱና መግነዝ ፖሊሲን ስትራቴጂን ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ከም ገለፃ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ፀላእትና እውን ካብ ዕዳ ንከይንወፅእ በሪ ዓፅዮምና እዮም፤ እቲ በሪ ኣይኣክልን ኢልዎም ማህተም እውን ሓቲሞምሉ እዮም ኢሎም።
“ንሕና ግና ጌታ ትንሳኤ ኣምሂሩና እዩ። እቲ ዕዳ ብሃገራዊ ምኽክር፣ ስግግር ፍትሕን ፕሮግራም ተሃድሶን ክንስርዞ ኢና። እቲ መግነዝ ብሪፎርምታትና ክንፈትሖ ኢና። እቲ ዝተዓፀወና በሪ እውን ክንኸፍቶ ኢና። እቲ ማህተም እውን ክነምክኖ ኢና”ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም