ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 3/2018(ኢዜኣ) ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ መላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትያን እንኳዕ ንበዓል ዝኽሪ ትንሳኤ ጌታናን መድሓኒትናን እየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብፀሐኩም፣ኣብፀሐና ኢሎም።
እቲ በዓል ናይ ሓጎስ፣ ሰላም፣ ሓድነት፣ ምትሕስሳብን ፍቕርን ይኹነልና ዝበሉ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ ክብሉ እውን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።