ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንዓቕሚ ዘይብሎም፣ ጉዱኣት ኣካል፣ ሰብ ውዕለታ ሃገርን ብምኽንያት ልምዓት ንዝተልዓሉን መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪበን - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንዓቕሚ ዘይብሎም፣ ጉዱኣት ኣካል፣ ሰብ ውዕለታ ሃገርን ብምኽንያት ልምዓት ንዝተልዓሉን መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪበን
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዚያ 3/2018 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ንዝርከቡ ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ጉዱኣት ኣካል፣ ሰብ ውዕለታ ሃገርን ብምኽንያት ልምዓት ንዝተልዓሉን መንበሪ ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ናውቲ ገዛን መውዓሊ በዓልን ብውህብቶ ኣበርኪተን።
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ኩሉ ግዜ ኣብ እዋን በዓላት ከም ንገብሮ ሎሚ እውን ኣብ ድሮ በዓል ትንሳኤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማና ወለንታውያን ብምትሕብባር ዝሃነፅናዮም 215 ዘበናዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ንዝርከቡ ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ጉዱኣት ኣካል፣ሰብ ውዕለታ ሃገርን ብምኽንያት ልምዓት ንዝተልዓሉን ምስ ሙሉእ ናውቲ ገዛን መውዓሊ በዓልን ብውህብቶ ኣረኪብና ኢለን።
ኣብ ከተማና ስራሕ ሰናይ ፍቓድ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጠናኸረን ባህሊ እናኾነን ምምፅኡ ዘሐጉስ እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ እዚ ሰናይ ተግባር ብዝተፈላለየ መልክዑ ንዝደገፍኩም ወለንታውያን፣ትካላትን ኣመራርሓን ብሙሉእኹም ብፍላይ ድማ ልዕሊ 80 ሚልዮን ብር ደገፍ ንዝገበረ ባንኪ ኦሮሚያ ብሽም እቶም ተጠቀምቲ ምስጋና የቕርብ ክብላ ሓቢረን።
በዓል ትንሳኤ ጌታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሎም ደቂ ሰባት ብፍቕሪ ዓርሱ ክሳብ ምስቃል ዝሃበሉን ብትንሳኤ ብስራት ዝተበሰረሉን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ በዓል እንትነኽብር ብመሰረት ዕላማን መርኣያነትን ትንሳኤ ብልዑል ፍቕርን ምትሕስሳብን ክኸውን ከም ዝግባእ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ደገፍ ንዝደልዩ ወገናትና ዘለና ምትሕስሳብ ብተግባር እንገልፀሉ፣ነንባዕልና ምኽንያት ሓጎስ፣ሰላምን ሓድነትን እንኾነሉ በዓል ንክኸውን ሰናይ ትምኒተን ኣመሓላሊፈን።