ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 3/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ትንሳኤ ሞት ዝተስዓረሉን ሂወት ውሕስና ዝረኸበትሉን እዩ ኢሎም።
ሙሉእ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም፣ ኣብፀሐና!
በዓል ትንሣኤ ብክርስትያናት ፍሉይ ቦታ ዘለዎ በዓል እዩ። ሞት ዝተስዓረሉን ሂወት ውሕስና ዝረኸበትሉን እዩ። ካብ ሞት ሂወት፣ካብ መቓብር ትንሳኤ ከም ዘሎ ዝተኣወጀሉ እዩ። ሞት መወዳእታ፣መቓብር መብፅሒ ከምዘይኮኑ ዝተረጋገፀሉ እዩ። ብምኽንያት ኣዳም ናብ ምድሪ ዝመፀ ወዲ ሰብ ብምኽንያት ክርስቶስ ናብ ላዕሊ ዝደየበሉ እዩ።
ትንሳኤ እዚ ዓመት እነኽብሮ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓልፍ ፈተና ከም ዘላ እናሓሰብና እዩ። መንገድና ነዊሕ፣ ጉዕዞና ፈታኒ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብርሃን ንከይንርኢ ዝጋርዱ፣ኣብ ድቕድቕ ፀልማት ንክንተርፍ ኣሲሮም ንምሓዝ ዝፍትኑ መፃወድያታት ብዙሓት እዮም። ናብ ምድሪ ተስፋ ንከይንሳገር ዝጎቱና ጠንቅታት መሊኦም እዮም። መወዳእትኡ ግና ድሕሪ ሕማማት ትንሳኤ፣ድሕሪ እቲ ዕንቅፋት ዓወት ከምዝፅበየና ኣሚንና ክንቃለስ ኢና። 
ኣብ ድሮ ትንሳኤ ርግፀኛታት፣ተስፈኛታት፣ተስፋ ዝቖረፁ፣ወረኛታት፣ተስፋ መቑረፅቲ፣ተጠራጠርቲ ነይሮም እዮም። እቶም ርግፀኛታት ፈተና እቲ ሕማማት ከም ዝሓልፍ ርግፀኛ እዮም ኔሮም። መከራ እቲ መዓልቲ ስቕለት ንመዓልቲ ትንሳኤ ድሮ ከምዝኾነ ርግፀኛ እዮም ኔሮም። በሪ እቲ እምኒ፣ማህተም እቲ በርን ሓለውቲ እቲ መቓብርን እቲ ትንሳኤ ከም ዘትርፍዎ ርግፀኛታት እዮም ኔሮም። እቲ ዝናፈስ ወረን ዝዝርጋሕ በለካ ለኽዐካን ዕድሚኡ ሓፂር ከምዝኾነ ርግፀኛታት እዮም ኔሮም። ርግፀኛታት ስለዝኾኑ እውን መስዋእቲ ንምኽፋል ድሉዋት ኔሮም። እቲ ሓቂ ንምምስካር ቆራፃት እዮም ኔሮም። ኣብ ትሕቲ እቲ መስቀል ንክርከቡ ደፋራት እዮም ኔሮም።
ኣብ ለውጢ ኢትዮጵያ ርግፀኛታት ዝኾኑ ዋጋ ይኸፍሉ፣ርግፀኛነት ፈሪሖም ተስፈኛታት ዝኾኑ እንተነኣሰ ልሳኖም ካብ ሕማቕ ይሕልው። ተስፋ ዝቖረፁ ፅባሕ ምርኣይ ስለዘይኽእሉ መንገዶም ይቕይሩ። ወረኛታት ብወረ ዝመሓደሩ ስለዝኾኑ እንጀራ ወረ ይጋግሩ። ተስፋ መቑረፅቲ “እቲ ፀባ ኣፀሊሞም፣እቲ መዓር ኣምሪሮም”ነቶም የዋሃት ኣታሊለሞም። ተጠራጠርቲ ሓደ ግዜ ትኩስ ሓደ ግዜ ድማ ዝሑላት እንትኾኑ ዝሂሞም ተረፉ።
ኢትዮጵያና ትንሳኤ እናርኣየት እያ፡፡ እቲ መግነዚ ፈቲሓቶ እያ፤ ነቲ መቓብር ከፊታቶ እያ፤ ነቲ ማሕተም ቀዲዳቶ እያ፡። ወረኛታት ምስ ሓለውቲ መቓብር ተማኺሮም ዘውርይዎ ወረ ትሰምዐሉ እዝኒ የብላን፡።  እቲ ምንታይሲ ትንሳኤኣ ኣይልውጦን፡፡ ንሳ ድሕሪ ሐዚ ትፅበዮ ዕርገት እዩ፡።  እትጓዓዝ ሓይሊ ከም ዝወርደላ ኣረጋጊፃ እያ፡። ንድሕሪት ምምላስ የለን፡፡ ሕማማት ሓሊፉ እዩ፤ ቀዳም እውን ሓሊፉ እዩ፡፡ ትንሳኤ መፂኡ እዩ፡፡ ኣብ ለይቲ ትንሳኤ ዝደቀሱ ኣይሰምዑን ይኾኑ፡፡ ብተስፋ መቑረፅቲ ተታሊሎም ዝኸዱ እቲ ዜና ኣይበፅሖምን ይኸውን፡፡ ትንሳኤ ግና ጋህዲ ኮይኑ እዩ፡። 
እንተኽኢልኩም ኣብ ሓፁር ዘለኹም ውረዱ፡፡ ተስፈኛታት እርግፀኛታት ኩኑ፡፡ ተጠራጠርቲ እመኑ፡። ወረኛታት ካብ ኣፍ ናብ ተግባር ተለወጡ፡፡ ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ናብ ትንሳኤ ተቓሪባ እያ፡፡ 
ትንሳኤ ኢትዮጵያ ካብ ዝብሰረሎም ምዕራፋት እቲ ሓደ ኣብ ወሒ ግንቦት ዝካየድ መረጻ እዩ። ትንሳኤ ብዘይ ሕማማት ከም ዘይኽእል ኩሉ ዲሞክራሲ እውን ብዘይ ውፃእ ውረድ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዓለም ኣብ ድልዱል መንገዲ ተጓዒዙ ዲሚክራሲ ዝሃነፀት ሃገር የላን፡፡ ዲሞክራሲን ብልፅግናን ብዘይ ፅንዓት ኣይሳኽዑን። ቅድሜና እቲ ዓመፅ ብትዕግስቲ ዝመከቱ ተሳጊሮም እዮም፤ እቲ ረብሻ ብፅንዓት ዝሓለፉ ኣዐዊቶም እዮም። ዋላ ኳ እንተተመነይና እቲ ፈተና ኣይነትርፎን፤ ምፅናዕ ግና ንኽእል ኢና። ካብ ድኽነት መውፅኢ ጥንካረና፣ናብ ዴሞክራሲ መብፅሒና ትዕግስትና ከምዝኾነ ኣሚንና ንትንሳኤ ኢትዮጵያ ብሙሉእ ልብና ንትጋህ!!
ደጊመ ሰናይ በዓል ትንሳኤ ይኹነልና፡፡
ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተፈሪሓን ተኸቢራን ንዘልኣለም ትንበር!!
ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
03 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም