ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኢቫሪስቴ ንድያይሺሚዬ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኢቫሪስቴ ንድያይሺሚዬ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/1ሚያዚያ /2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኢቫሪስቴ ንድያይሺሚዬ ክልቲኣዊ ዘተ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ምስ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኢቫሪስቴ ንድያይሺሚዬ ውፅኢታዊ ክልቲኣዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ሓቢሮም።
ኣብ ፃንሒትና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለና ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለሙ ብርክት ዝበሉ ፊርማ ሰነዳት መረዳድኢ ኣሳሊጥና ኢሎም።
እዞም ዘተታት እዚኦምን ዝተፈረሙ ስምምዓትን ዝማዕበለን ዝተሓባበረን መፃኢ ዕድል ክልቲአን ሃገራት ዘረጋግፁ፣ ዝፀንሑ ርክባት ናብ ጭቡጥ ምትሕብባር ንምቕያር ወሳኒ መሰረት ኮይኖም ዘገልግሉ መርኣያ ሓባራዊ ቆራፅነትና እውን እዮም ክብሉ ኣረዲኦም።