ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይትቃላዕ ኣፍሪካ ንምህናፅ ኣህጉራዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይትቃላዕ ኣፍሪካ ንምህናፅ ኣህጉራዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/1 ሚያዝያ/2018 (ኢዜኣ) ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይትቃላዕ ኣፍሪካ ንምህናፅ ኣህጉራዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መኣከቢት ኣፍሪካውያን ኣዲስ ኣበባ መበል 16 ጉባኤ ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ኣፍሪካ (ARC-COP16) ብዕሊ ኣጀሚርና ኢሎም።
ኣህጉርና ብለውጢ ከባብያዊ ኣየር እናተፈተነት እያ ትርከብ ዝበሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተምስገን፤ ይኹን እምበር እዚ ፈተና ተስፋና ዘፀልምት፣ ጉዕዞና ዘዐንቅፍ ኣይኸውንን ክብሉ ሓቢሮም።
ንሕና ኣፍሪካውያን ድሕሪ ሓደጋ ንዝመፅእ ረድኤት ኢድ ካብ ምዝርጋሕ ሓደጋ ቀዲምካ ምክልኻልን ብሳይንሳዊ መንገዲ ንመፍትሒ ምድላውን መሰረት ህልውናና ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ መዳይ ራኢ ሰኒቓን ቅልፅማ ኣጠንኪራን ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ እናሃነፀት ከም ዝኾነት ብምግላፅ፤ ብሓምለዋይ ኣሰር ምስሊ ምድሪ እናቐየርና ኢና ክብሉ ፀሪሖም።
ብጎስጓስ ልኣላዊነት ምግቢ ዓርስና ንምኽኣል እናፀዓርና ኢና ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ እውን ገመድ ኣህጉራዊ ምትእስሳር እናኾንና ኢና ክብሉ ኣረዲኦም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፤ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይትቃላዕ ኣፍሪካ ንምህናፅ ኣህጉራዊ ሓድነትና ወሳኒ እዩ።
ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ኣብ ዝበዝሕሉን ዓለም ለኻዊ ደገፋት ኣብ ዝቐነስሉን እዚ እዋን፤ ከም ዓቕሚ ምክልኻል ስግኣት ኣፍሪካ(African Risk Capacity-ARC) ዝበሉ ኣህጉራዊ ትካላት ምጥንኻር ኣማራፂ ዘይብሉ ዘይብሉ ጉዳይ ከም ዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
ስግኣት ሓደጋ ብመፅናዕቲ ምፍላይ፣ ቀዲምካ ምክልኻል፣ ፀገም እንተጋጥም እውን ብኣፍሪካዊ ዓቕሚ ምላሽ ምሃብ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ እውን ንዕዉትነት እዚ ካሊእ ሽቶ ልኣላዊነት ኣፍሪካውያን መርኣያ ኮይና ክትሰርሕ እያ ኢሎም።