ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ዕሙቕ ዝኾነ ታሪኽ ሕውነትን ምክብባርን ዘለወን ሃገራት እየን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ አበባ/1 ሚያዝያ /2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ዕሙቕ ዝኾነ ታሪኽ ሕውነትን ምክብባርን ዘለወን ሃገራት እየን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ንዝኣተዉ ፕሬዚዳንት ብሩንዲ ኤቫሪስቴ ንድያይሺሚዬ ኣቀባብላ ገይሮም።



ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ቡሩንዲ ኤቫሪስቴ ንድያይሺሚዬ ናብ ብዝነኣዱ ህዝባን ባህላን ትቕበሎም ሃገረይ እንኳዕ ብደሓን መፁ ክብል ብዝለዓለ ክብሪ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ዕሙቕ ዝኾነ ታሪኽ ሕውነትን ምክብባርን ዘለወን ሃገራት ከም ዝኾና ብምግላፅ፤ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዘላቒ ምትእስሳር እውን ብዝለዓለ ኩነታት ከም ነኽብሮ ከዘኻኽሮም ይፎቱ ክብሉ ሓቢሮም።
ኣብዚ ዕላዊ ዑደት ስርሖም ኣብ ቀፃሊ ዘለና ሓባራዊ ትልሚ ናብ ሓቂ ንምቕያር ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ፃንሒቶም ርክብና ብዝበለፀ ከም ዘጠናኽሮ ኣይጠራጠርን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ደጊመ ናብ ካልአይቲ ገዝኦም እንኳዕ ብደሓን መፁ ክብል ይፎቱ ኢሎም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም