ኢትዮ ቴሌኮም "ቶሎ" ዝተብሃለ ፈጣን ሜላ ስርዓት ክፍሊት ኣብ ቴሌብር ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፤ሚያዝያ 1/2018 (ኢዜኣ)፦ኢትዮ ቴሌኮም "ቶሎ" ዝተብሃለ ፈጣን ሜላ ስርዓት ክፍሊት ብቴሌብር ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእሎ ዲጂታል ስርዓት ክፍሊት ኣጀሚሩ፡፡ 
ኢትዮ ቴሌኮም መጀመሪ መርሃ ግብሪ "ቶሎ" ዝተብሃለ ፈጣን ሜላ ስርዓት ክፍሊት ኣካይዱ፡፡ 



ኢትዮ-ቴሌኮም ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ምግባር ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት እናፋለጠ ከም ዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡ 
ኢትዮ-ቴሌኮም ካብ ስሩዕ ኣገልግሎት ቴሌኮም ብተወሳኺ ቅልጡፍ፣ ምቹውን ወፃኢ ዝቕንሱን ኣገልግሎታት ብምቕራብ ንዓውዲ ፋይናስ እናሓገዘ ከም ዝኾነ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን፡፡ 
ልምዓት ሃገር ዘላቕን ሓቛፋይን ንምግባር ኣብ ዝርግሐ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ትኹረት ብምግባር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰሑ ከም ዝኾኑ እውን ሓቢረን፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም