ጉዳይ ምርካብ ምላሽ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽንያታዊ እዩ-ኣባል ፓርላማ ኣውሮፓ ቲየሪ ማሪያኒ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉዳይ ምርካብ ምላሽ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽንያታዊ እዩ-ኣባል ፓርላማ ኣውሮፓ ቲየሪ ማሪያኒ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 1/2018 (ኢዜኣ) ጉዳይ ምርካብ ምላሽ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽንያታዊ እዩ ክብሉ ኣባል ፓርላማ ኣውሮፓ ቲየሪ ማሪያኒ ገሊፆም።
ኣብ መበል 4ይ መድረኽ ዘተ ቀይሕ ባሕርን ባሕረ ሰላጤን ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ዝተረኸቡ ኣባል ፓርላማ ኣውሮፓ ቲየሪ ማሪያኒ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ጉዳይ ምርካብ ምላሽ ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽንያታዊ እዩ።
ከም ባብ ኤል-መንደብ ዝበሉ ፀበብቲ መተሓላለፊ ባሕሪ ብምዕፃዎም ኣብ ቀረብ ነዳድን ማዳበሪያን ኣውሮፓ ልዑል ፅልዋ እናሕደሩ እዮም ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ስትራቴጂካዊ ዞባ እትርከብ ቁልፊ ሃገር ከም ዝኾነት እውን ሓቢሮም።
ኣብ ስምምዕ ሕጊ ባሕሪ ሕድ ሕድ ሃገር በሪ ባሕሪ ክህልዋ ከምዝግባእ ብግልፂ ከምዝተቐመጠ ኣረዲኦም።
ኣውሮፓ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንክህሉ ልዑል ድሌት ከም ዘለዋ ዝገለፁ እቶም ኣባል ፓርላማ ኣውሮፓ፤ ነዚ ድማ ምርካብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምኽንያታዊ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዞባ ንምርግጋዕን ድሕንነት ዓለም ለኸ መስመራት ንግዲ ንምርግጋፅን ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብበዝሒ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ካብ ዘለዋ ሃገራት እታ ሓንቲ ኮይናን ዋና መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃናን በሪ ባሕሪ ዘይምህላዋ ምኽንያታዊ ኣይኮነን ክብሉ ገሊጾም።