ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኤቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኤቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 1/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ቡሩንዲን ኣቦ መንበር እዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካን ኤቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣቀባብላ ገይረምሎም።
ኢትዮጵያን ቡሩንዲን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን።
ፕሬዚዳንት ቡሩንዲን ኣቦ መንበር እዚ እዋን ሕብረት ኣፍሪካን ኤቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኣብ ዘሰጋግሩ ጉዳያት ከምዝዝትዩ ትፅቢት ይግበር።