ድሕሪ እቲ ለውጢ ንቱሪዝም ተኮር ልምዓት ሓድጊ ዝተውሃበ ትኹረት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እናሰጋገሮ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ድሕሪ እቲ ለውጢ ንቱሪዝም ተኮር ልምዓት ሓድጊ ዝተውሃበ ትኹረት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እናሰጋገሮ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/2018 (ኢዜኣ) መንግስቲ ንቱሪዝም ተኮር ልምዓትን ሓለዋን ሓድጊ ዝሃቦ ትኹረት ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ብርኪ ተመራፂት መባፅሒት ቱሪዝም ኣብ ምግባር ዝለዓለ ግደ እናተፃወተ ከም ዝኾነ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ መንግሰቲ ንዓውዲ ቱሪዝም ብዝሃቦ ፍሉይ ትኹረትን ብዝተነደፈ ፖሊሲ ብዝሓ ዘፈርን፤ ንዘመናት ዝተረስዑ ብዙሓት ታሪኻውን ተፍጥሮኣውን ሓድግታት ግቡእ ፅገናን ሕድሳትን ረኺቦም ንበፃሕቲ ክፍቲ ኮይኖም እዮም።
ኣብያተ መንግስትታት ጎንደር፣ ብሄራዊ ቤተ መንግሰቲ፣ ቤተ መንግስቲ ጅማ ኣባ ጅፋር፣ ህንፃ ጀጎል ሃረርን በዓልቲ ሶፍ ኡመርን ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ተፍጥሮኣውን ታሪኻውን ሓድግታት ተሓዲሶም ንበፃሕቲ ክፍቲ ኮይኖም እዮም።
ዋና ዳይሬክተር ሓለዋ ሓድጊ ኢትዮጵያ ረዳት ፕሮፌሰር ኣበባው ኣያሌው ንኢዜኣ ከም ዝገለፅዎ፤ መንግስቲ ነቲ ዓውዲ ንምዕባይ ብዘርኣዮ ቆራፅነት ቀወምትን ተንቀሳቐስትን ሓድግታት ናይ ምልማዕ ተግባር ብውፅኢታውነት እናተሳለጠ ይርከብ።
ብፍላይ ንባህልን ከተማ ቱሪዝምን ትኹረት ብምውሃቡ ጭቡጥ ለውጢ ከም ዝተመዝገበ ብምግላፅ፤ ስራሕቲ ልምዓት ሓድጊ ኢትዮጵያ ዓውዲ ቱሪዝም ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እናሸጋገሮ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ኣብቶም ዓመታት ለውጢ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ሓዊሱ ክብርን ታሪኽን ኢትዮጵያ ዘተኣሳስሩ ሙዚየማት ከም ዝተሃነፁ እውን ሓቢሮም።
ስራሕቲ ምዝማን ቦታታት ሓድጊ ምስሊ ሃገር ካብ ምህናፅ ብተወሳኺ ቁፅሪ በፃሕቲ ብምውሳኽ ኣታዊ ቱሪዝም ከም ዝወሰኸን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጠረን ኣረዲኦም።
እቶም ሓድግታት ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገቡ ብዝተገበረ ፃዕሪ ታሪኻዊ ዓምድታት እታ ሃገር ግቡእ ክብሪ ክረኽቡ ገይሩ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን 19 ሓድግታት ኣብ ዩኔስኮ ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ ቀዲሚ ቦታ ከም ዝሓዘት ሓቢሮም።
ስራሕቲ ምምዝጋብ ቀወምትን ዘይድህሰሱን ሓድግታት ሐዚ እውን ተጠናኺሮም ከም ዝቐፀሉ ገሊፆም።
ካብ ዘይድህሰሱ ሓድግታት ባህሊ ፈረስ ኣገው፣ ዘመን መለወጢ ሀላባ 'ሴራ' ከምኡ እውን ዋዛ መሳርሒ ሙዚቃ ዙምባራ) ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገቡ ከም ዝቐረቡ ኣመላኺቶም።
ሓደጋ ምጥፋእ ዝተደቀኖምን ህፁፅ ሓለዋ ዘድልዮምን ሓድግታት ንፈለማ ግዘ ንምምዝጋብ ትኹረት ተዋሂብዎ እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ቃላይ ሃይቂ ዝርከቡ ደሴታትን ታሪኻዊ መንደር ኣልነጃሺን ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እናተዛዘሙ ከም ዝኾኑ እውን ኣፍሊጦም።
ቅድም ኢሉ ኣብ ዩኔስኮ ዝምዝገቡ ሓድግታት ትኹረት ዝገበሩ ኣብ ሓድግታት ባህሊ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓድግታት ተፈጥሮ ንምምዝጋብ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢሎም።