ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ጉዳያት ፀጥታ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ሓባራዊ ድሌተንን ጉዳያት ፀጥታን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።
ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ብፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ኦዌ ሳዳማሳ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ጃፓን ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ኣዘራሪበን።

ኣብቲ ዘተ እውን፤ ብሄራዊ ረብሓ፣ ሓባራዊ ረብሓታትን ፀጋታትን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘኽበሩ ጉዳያት ፀጥታ ብምውዳድ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ዘትዮም።



ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ኦዌ ሳዳማሳ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ይኹን ብብርኪ ኣህጉር ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ተሳልጦም ንዘላ ስራሕቲ ንኢዶም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ጉዳይ ጃፓን ምስ ኢትዮጵያ ተቐራሪባ ንምስራሕ ዘለዋ ልዑል ድሌት ኣረጋጊፆም።
ጃፓን ዓቕሚ ማእኸል ምኽባር ሰላም ኢትዮጵያ ንምህናፅ ደገፍ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ ብስልጠናን ልውውጥ ልምድን ብቕዓት ሞያ ሓይሊ ሰብ ሰራዊት ምክልኻል ንምዕባይ ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም።
ኢንጂነር ኣይሻ መሀመድ ብግደአን፤ ጃፓን ንምትሕብባር ዘርኣየቶ ተበግሶ ብምንኣድ ኢትዮጵያ ኣብ ሓቃዊ ምሕዝነትን ሓባራዊ ተረባሕነትን መሰረት ዝገበረ ጠንካራ ወታደራዊ ምሕዝነት ንምጥንኻር ድልውቲ እያ ኢለን። 
እዚ ምትሕብባር ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝፀንሐ ምሕዝነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዘሰጋግሮ ዘለወን እምነት ምግላፀን ኢዜኣ ካብ ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም