ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ መፃኢ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር መኣዲ ኣካፊሎም

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ መፃኢ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር መርሃ ግብሪ ምክፋል መኣዲ ኣሳሊጦም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መኣዲ ምክፋል ብፈጣሪ ዝፍተው ሰናይ ተግባር እዩ ኢሎም።





ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ኣብ እዋን በዓላት በሮም ዓፅዮም ከሕልፉ የብሎምን ብዝብል ዝጀመርዎ ተበግሶ ኢትዮጵያዊ ባህሊ ምትሕግጋዝ ብዝበለፀ ንክምዕብል ከምዝገበረ ሓቢሮም።
እዚ ስራሕ ምትሕግጋዝ ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ እዋን በዓል ገዝኦም ባዶ ንከይኸውንን ምስ ካልኦት ወገናት ብሓባር ንከሕልፉን ዘኽእል እዩ ኢሎም።
ቀንዲ ዕላማ መንግሥቲ ኩሉ ዜጋ ዓርሱ ክኢሉ ዝሓሸ ሂወት ንክመርሕ ምግባር ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ መንግሥቲ ብሰብ ተኮር ፖሊሲኡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ኣረዲኦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም