መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2040 ዓመታዊ ኣታዊኡ 30 ቢልዮን ዶላር ንምብፃሕ ከምዝተለመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2040 ዓመታዊ ኣታዊኡ 30 ቢልዮን ዶላር ንምብፃሕ ከምዝተለመ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው ገሊፆም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው በዓል ምስረታ መበል 80 ዓመት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።
እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብ መግለፂኦም፤ እቲ ትካል ንዝሓለፉ 8 ዓሰርተ ዓመታት መርኣያ ዕቤት፣ ትርፋማነትን ኩርዓት ሃገርን ኮይኑ ከምዝዘለቐ ሓቢሮም።
እቲ ትካል ብብርኪ ዓለም ዘለዎ ተወዳዳሪነት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋግር ‘ራኢ 2040’ ዝተብሃለ ስትራቴጂክ ትልሚ ከምዘዳለወ ኣፍሊጦም።
እዚ ትልሚ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ኣድማስ በረርኡ፣ዓቕሚ ንብረቱን መጠን ኣታዊኡን ብዝለዓለ ኩነታት ንምዕባይ ከም ዘኽእሎ እውን ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዘለውዎ 145 መባፅሕታት ናብ 243 ንምብፃሕ ከም ዝተለመ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣገልግሎት ዝህባ ዘለዋ 150 ኣውሮፕላናት ብልዕሊ ዕፅፊ ብምዕባይ 350 ንምብፃሕ እውን ተተሊሙ እዩ ኢሎም።
ዓመታዊ ዓቕሚ ምጉዕዓዝ መንገደኛታት እውን ሕዚ ካብ ዘለዎ 20 ሚልዮን ናብ 60 ሚልዮን ንምዕባይ ሽቶ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።
እቲ መንገዲ ኣየር ብመሰረት ስትራቴጂክ ትልሙ ዓመታዊ ኣታዊኡ 30 ቢልዮን ዶላር ንምብጻሕ ከምዝተለመ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም