መበል 7ይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) መበል 7ይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከም ዝካየድ ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ ገሊፆም።
ላዕለዋይ ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ መበል 7ይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ ሰላም ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።
እቶም ላዕለዋይ ፀሓፊ ኣብ መግለፂኦም እቲ ኮንፈረንስ ካብ 7 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ከምዝካየድ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ምርግጋፅ ኣብ ዘኽእሉን ካልኦትን ዛዕባታት ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝሳተፍሉ ዘተ ፓነልን ህዝባዊ ዘተን ከምዝካየድ ሓቢሮም።
ኣብቲ ንክልተ መዓልትታት ዝፀንሕ ኮንፈረንስ፤ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ዝመፁ ኣቦታት ሃይማኖት፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን፣ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ከምዝሳተፉ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም