ኣብ ኣፍሪካ ስግኣት ሓደጋ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምካት ቀፃልነት ዘለዎ ስርዓት ፋይናንስ ምህናፅ የድሊ

ኣዲስ ኣበባ፤መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ኣፍሪካ ስግኣት ሓደጋ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምካት ፖለቲካዊ ቆራፅነትን ቀፃልነት ዘለዎ ስርዓት ፋይናንስ ምህናፅን ከም ዘድሊ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ገሊፆም ።
ብኣዳላውነት ኢትዮጵያ መበል 16 ኣህጉራዊ ጉባኤ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ "ንሉኣላውነት ምትሕብባር" ብዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
39 ሃገራት ኣባል ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ አፍሪካን ካልኦት ናይቲ ዓውዲ ተዋሳእትን እናተሳተፍሉ ዝርከብ እቲ ጉባኤ፤ ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካውያን ምትሕብባርን ምሕዝነትን ብምፍጣር ኣህጉራዊ ስግኣት ሓደጋ ንምክልኻልን ዓቕሚ ፋይናንስ ንምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ፡፡ 



ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር)፤ ኣፍሪካውያን ሉኣላውነት ምግቦም ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምርግጋፅ ንሓባራዊ ዕላማ ኣብ ዝተሓበበርሉ ወሳኒ እዋን ንርከብ ኢሎም፡፡  
ኢትዮጵያ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ሉኣላውነት ምግቢ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምስኻዕ ዘርእዮ ቆራፅነት ከም ትድግፍ ገሊፆም፡፡  
ኣብ ኣፍሪካ ሓደጋታት ንምክልኻልን ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅን ሓበራዊ ድልየት ከም ዘሎ ብምግላፅ፤ ዝተዋደደ ምላሽ ስግኣት ሓደጋ ንምሃብ ዘኽእል ኣህጉራዊ ዓቕሚ ፋይናንስ ምህናጽ ከም ዘድሊ ኣረዲኦም፡፡ 
ነዙይ ድማ ጠንካራ ፖለቲካዊ ቆራፅነት ሃገራትን ቀፃልነት ዘለዎ ስርዓት ፋይናንስን የድሊ ኢሎም፡፡ 
ዕላማታት ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ብምዕዋት እታ ንብህጋ ኣፍሪካ ንምህናፅ ጠንካራ ዓቕሚ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሪካ ምፍጣርን ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻርን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብመንፅር እዙይ ኢትዮጵያ ጠንካራ ትካላዊ ኣወዳድባ ብምፍጣር ዝተማልአ ድጋፍ ንምግባር ዘኽእል ዓቕሚ እናሃነፀት ከም ዝኾነት ኣረዲኦም፡፡ 
ብሓምላዋይ ኣሰር፣ ልምዓት ሌማት፣ ብትሓዳሲ ሓይልን ካልኦት ተበግሶታትን ጭቡጥ ለውጢ እናተመዝገበ ከም ዝኾነ ገሊጾም፡፡ 
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓትን ንፅልዋ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይቃላዕ ኢኮኖሚ ብምህናፅን ዘምዝገበቶ ዓወት ነቲ ጉባኤ ክተዳሉ ተመራጺት ከም ዝገበራ ሓቢሮም፡፡ 
ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ብባዕላዊ ዓቕሚ ንምምላእን ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅን ዘሳለጠቶም ዕዉታት ተሞኩሮታት ኣብቲ ጉባኤ ክተካፍል እያ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም