ጅቡቲ ንስትራቴጂካዊ ፅዕነታት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ናይ ምሃብ ተግባራ ክትቕፅለሉ እያ-በዓል መዚ ወደባትን ነፃ ዞባታትን ጅቡቲ - ኢዜአ ትግርኛ
ጅቡቲ ንስትራቴጂካዊ ፅዕነታት ኢትዮጵያ ቀዳምነት ናይ ምሃብ ተግባራ ክትቕፅለሉ እያ-በዓል መዚ ወደባትን ነፃ ዞባታትን ጅቡቲ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ንዝጎዓዓዙ ፅዕነታት ቀዳምነት ምሃባ ኣጠናኺራ ከም ትቕፅለሉ ኣካቢ በዓል መዚ ወደባትን ነፃ ዞባታትን ጅቡቲ(DPFZA) ኣቡበከር ዑመር ሃዲ ገሊፆም።
ኣካቢ በዓል መዚ ወደባትን ነፃ ዞባታትን ጅቡቲ(DPFZA) ኣቡበከር ዑመር ሃዲ ንኢዜኣ ከም ዝበልዎ፤ ወደባት ባሕሪ ጅቡቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝለዓለ ኩነታት እናወሰኸ ዝመፀ መጠን ፅዕነት ብዘይ ምጭንናቕ ምትእንጋድ ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎም።
ንውሕስና ምግቢ ኢትዮጵያ ወሳኒ ዝኾነ እዋን ሕርሻ ክረምቲ እናተቓረበ ስለዝኾነ እቲ በዓል መዚ ንፅዕነታት ሓመድ ማዳበሪያ ፍሉይ ትኹረት ከም ዝሃበ ኣፍሊጦም።
ናብ ወደብ ዝመፁ ዝኾኑ ፅዕነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ፅዕነታት ማዳበሪያ ኣብ እዋኖም ናብ ማእኸል ሃገር ንክጎዓዓዙ ቀዳምነት እናተውሃቦም ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ስለዝኾነት ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ጅቡቲ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ዝኸውን ንግዲ ኣታውን ወፃእን እታ ሃገር እናተኣናገደት እያ ትርከብ ኢሎም።
እዚ ታሪኻዊ ምትእስሳር ንጅቡቲ ኣብቲ ዞባ ተመራፂት ማእኸል ሎጂስቲክስ ንክትኸውንን ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንክጠናኸርን ምኽንያት ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ምትእስሳር ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምቅልጣፍ ዘበናውን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕን ባቡር ምድሪ ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ልዑል እጃም እናበርከተ ይርከብ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ፣ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ዕቤት ንግድን ኣብ ኣገልግሎት ወደብ ልዑል ድሌት ንክህሉ ምኽንያት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ከም መዳበሪያ ዝበሉ ፅዕነታት ጅምላ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ወደብ እንትበፅሑ ብምኽንያት ሰሌዳ ግዜ መርከባት ዋላ ኳ መጠነኛ ምዝንጋዕ ከጋጥም እንተኽኣለ፤ እዚ ግና ዓቕሚ ምትእንጋድ እቲ ወደብ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ከም ዘይኮነ ኣብሪሆም።
ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ጠንካራ ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምሕጋዝ ጅቡቲ ኣብ ሓደ ሓደ ሃፍትታት ወደብ ኢትዮጵያ ብፅሒት በዓል ዋንነት(ኣክሲዮን) ንክህልዋ ሓሳብ ከም ዘቕረበት እውን ፀሪሖም።
እዚ ድማ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዋንነት ዘሰጋግርን ንዘላቒ ረብሐአን ወሳንን ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።