ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ክስታት ኢንቨስትመንት ብዓወት ዛዚማ-ሚኒስቴር ፍትሒ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ክስታት ኢንቨስትመንት ብዓወት ዛዚማ-ሚኒስቴር ፍትሒ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ዝቐረቡላ ክልተ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ክስታት ኢንቨስትመንት ብዓወት ከምዝዛዘመት ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ ፍትሒ ኣይተ በላይሁን ይርጋ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዳይነት ግልግል ዝረኸበቶም ክልተ ዓወታት ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።
ኣብ መግለፂኦም እውን፤ እታ ሃገር ብተኸታታሊ ዝረኸብቶም እዞም ዓወታት ብሚልዮን ዶላር ዝቑፀር ክፍሊት ካሕሳ ካብ ምድሓን ብተወሳኺ ልኣላዊ ረብሓ እታ ሃገር ዘረጋገፁ እዮም ኢሎም።
ሚኒስቴር ፍትሒ ብመሰረት ብቁፅሪ ኣዋጅ 943/2008 ዝተውሃቦ ስልጣን ረብሓ ፍታብሄር ህዝብን መንግስትን ናይ ምርግጋፅ፣ዋና ኣማኻሪ መንግሥቲ ፌዴራል ናይ ምዃንን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ እታ ሃገር እንትትኽሰስ ናይ ምክልኻልን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣረዲኦም።
እቲ ሚኒስቴር ዓለም ለኸ ማእኸላት ግልግል ቢሮኦም ኣብ ኢትዮጵያ ንክኸፍቱ ካብ ምግባር ጀሚሩ ብሰብ ሞያ ወፃእን ውሽጥን ዝተደገፈ ስራሕ ሪፎርም ኣብ ምስላጥ ከም ዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ካብቶም ብዓወት ዝተዛዘሙ ዋና ዋና ክስታት እቲ ናይ መጀመርያ ኩባንያ ኮንስትራክሽን ቱርኪ ዝኾነ Akgun Insaat Makina Sanayii ve Dis Ticaret Ltd. Sti. ዝተብሃለ ኣቕሪብዎ ዝነበረ ብድምር ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላር ክሲ ከም ዝኾነ ፀሪሖም።
እቲ ኩባንያ ኣብ ቀረባ ግድባት ለገዳዲን ድሬን ዞባ ኢንዱስትሪ ልምዓት ንምልማዕ ፍቓድ ተዋሂብዎ ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ከባቢ ፍልፍል ፅሩይ ማይ ኣዲስ ኣበባ ስለዝኾነ እቲ ሕጊ ግምገማ ፅልዋ ከባቢ ብዝእዝዞ መሰረት ንከቕርብ ብተደጋጋሚ ንዝቐረበሉ ሕቶ እቲ ኩባንያ ኣዕጋቢ ምላሽ ክህብ ብዘይ ምኽኣሉ እቲ ስራሕ ኢንቨስትመንት ናብ ካሊእ ምችው ቦታ ንክዘዋወር ኣማራፂ ቀሪቡሉ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።
እቲ ኩባንያ ግና ዝቐረበሉ ኣማራፂ ብዘይ ምቕባል ጥሕሰት መሰል ሓለዋ ኢንቨስትመንት በፂሑኒ ብዝብል ክሲ ከም ዘቕረበ ብምሕባር፤ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንዜጋታቱ ፅሩይ ማይ ናይ ምቕራብ ሓላፍነቱ ከም ዝተዋፅአ ኣብቲ መጋባእያ ተኣሚንሉ እቲ ክሲ ውድቂ ተገይሩ እዩ ኢሎም።
እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተመዝገበ ኩባንያ African Asset Finance Company Holding B.V ወይ ድማ ብተለምዶ ኢትዮ ሊዝ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ኩባንያ ሃገራዊ ግቡኣት ንከኽብር ዝተውሃብዎ መጠንቀቕታታት ከም ጥሕሰት መሰል ኢንቨስትመንት ብምቑፃር ካብ 334 ሚልዮን ዶላር ክሳብ ልዕሊ 400 ሚለዮን ዶላር ካሕሳ ከም ዝሓተተ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ሄግ፣ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝተኻየደ ክርክር ቃል ሰብ ሞያ ሕጊ ኢትዮጵያ ብዘቕረብዎ ጠንካራ ክርክር ብሰለስቲኦም ዳያኑ ውድቂ ተገይሩ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ኢትዮጵያ ነቲ ክርክር ዘውፀአቶ ወፃእን ኪሳራን እቲ ኩባንያ ንክኸፍል ከምዝተወሰነ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ዝቐረቡላ ክስታት ብዓወት ምዝዛማ ኣብ ምህዳር ኢንቨስትመንት እታ ሃገር ኣሉታዊ ፅልዋ ንከይህሉ ካብ ምግባር ብዝዘለለ ብ100 ሚልዮን ዶላር ዝቑፀር ካሕሳ ንከይትኸፍልን ኣብ ትሕቲ ኢኮኖሚያዊ ፅልዋ ንከይትወድቕን ኣኽኢሉዋ እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።