ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍና ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍና ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ
ኣርባ ምንጭ/መጋቢት 30/2018(ኢዜኣ) ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ደገፍና ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ክብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር ገሊፆም።
ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያን ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምንሽርታት መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት 10 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሮም።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብሓደጋ ምንሽርታት መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝግበር ሰብኣዊ ደገፍ ተጠናኺሩ እናቐፀለ እዩ።
ሎሚ መዓልቲ እውን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ 5 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ከምኡ እውን ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን 5 ሚልዮን ብር ደገፍ ገይሮም እዮም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ከም ዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ትካላት ውልቀ ብምትሕብባር ደገፍ 5 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ገይሩ እዩ።
ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንገብሮ ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ሚኒስትር ዲኤታ መስኖን ከባብታት ቆላን ተስፋዬ ይገዙ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ሓጎስ ይኹን ኣፀጋሚ ኩነታት ባህሊ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ሕድ ሕድ ከም ዘሎ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣብ ጎኒ እቶም ተጎዳእቲ ከም ዝኾነ ንምርኣይ ደገፍ 5 ሚልዮን ብር ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን ንገብሮ ደገፍ ቀፃሊ እዩ ኢሎም።