መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 80 ዓመታት መርኣያ ዕቤትን ኩርዓት ሃገርን ኮይኑ ቀፂሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 80 ዓመታት መርኣያ ዕቤትን ኩርዓት ሃገርን ኮይኑ ቀፂሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 80 ዓመታት መርኣያ ዕቤት፣ትርፋማነትን ኩርዓት ሃገርን ኮይኑ ከምዝዘለቐ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው ገሊፆም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው በዓል ምስረታ መበል 80 ዓመት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም።
እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣብ መግለፂኦም፤ እቲ ትካል ንዝሓለፉ 8 ዓሰርተ ዓመታት መርኣያ ዕቤት፣ ትርፋማነትን ኩርዓት ሃገርን ኮይኑ ከምዝዘለቐ ሓቢሮም።
እቲ መንገዲ ኣየር 30 መጋቢት 1938 ዓ/ም ፈላማይ በረራ ከምዝገበረ ብምዝኽኻር፤ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ብዘመዝገቦ ተኸታታሊ ዕቤት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም 145 መባፅሕታት ዘለውዎ ዓብይ መንገዲ ኣየር ንምዃን በቒዑ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ንናይ ባዕሉ ኣውሮፕላናት ፅገና ምግባር ዘኽእል ሙሉእ ዓቕሚ እናፈጠረ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንዘላቒ ዕቤት እቲ ኩባንያ መሰረት ከምዘንበረ ተዛሪቦም።
ሰብ ሞያ ኣቪዬሽን ንምፍራይ ናይ ባዕሉ ኣካዳሚ ኣቪዬሽን ከም ዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ዩኒቨርሲቲ ኣቪዬሽን ብምህናፅ ኣብ ታሪኹ ልዑል ቦታ ዝወሃቦ ዓወት ከምዘመዝገበ እውን ኣረዲኦም።
እቲ መንገዲ ኣየር 150 ኣውሮፕላናት ከም ዘለውዎ ዝገለፁ እቶም ዋና ፈጻሚ ስራሕ፤ ተበጻሕነትን ፅሬትን በረራ ብዝበለፀ ንምዕባይ 117 ሓደሽቲ ኣውሮፕላናት ንምግዛእ ኣብ ከይዲ ከም ዝርከብ ገሊፆም።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠምዎ ፈተናታት ብምሕላፍ ንኣፍሪካ ምስ ዓለም ዘራኽብ ግንባር ቀደም ትካል ኣቪዬሽን ምዃኑ ብተግባር ከም ዘረጋገፀ እውን ኣብሪሆም።