በዓላት እንትነኽብር ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብን ካብ ዘለና ብምክፋልን ክኸውን ይግባእ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) በዓላት እንትነኽብር ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብን ካብ ዘለና ብምክፋልን ክኸውን ከምዝግባእ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
‎‎ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ መፃኢ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ትሑት ኣታዊ ንዘለዎምን ዓቕሚ ዘይብሎምን ክፋላት ሕብረተሰብ መኣዲ ኣካፊለን።



እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ በዓላት እንትነኽብር ንዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብን ካብ ዘለና ብምክፋልን ክኸውን ይግባእ።
እቲ ምምሕዳር እዚ ተግባር በቢ ዓመቱ ዘሳልጦ ድማ ዜጋታት በዓላት ብሓጎስ ንከሕልፉ እዩ ኢለን።
ዓቕሚ ዘይብሎምን ዓበይትን ብምድጋፍ በዓል ብሓባር ምኽባር ዝፀንሐ ሰናይ ፀጋ ኢትዮጵያውያን ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ምምሕዳር ከተማ እውን እዚ ሰናይ ተግባር ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፀን።
እተን ከንቲባ፤ እዚ ደገፍ ንክግበር ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ሰብ ሃፍትን ትካላትን ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም