እቲ ቤት ምኽሪ ተወዳዳሪነት መፍረያይ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ቤት ምኽሪ ተወዳዳሪነት መፍረያይ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) ሃገር ለኸ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ዘፈር ኢትዮጵያ ተወዳዳሪነት እቲ መፍረያ ኢንዱስትሪ ንምዕባይ ብትኹረት ክሰርሕ ከምዘለዎ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ሃገር ለኸ ቤት ምኽሪ ማሕበራት ዘፈር ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዶ መበል 9ይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ ኢንቨስትመንት ሚድሮክ ኣይተ ጀማል ኣህመድ ፕሬዚዳንት ገይሩ መሪፁ።
ንበዓል ሃፍቲ ኣይተ በላይነህ ክንዴ ድማ ምክትል ፕሬዚዳንት ገይሩ ዝመረፀ እንትኸውን፤ እቲ ጉባኤ መረፃ ኣባላት ቦርድ ዳይሬክተራት እውን ብዓወት ኣሳሊጡ።
ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ንክህልዎ መሰረት ዘንፅፉ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ።
መንግሥቲ ንመፍረያይ ኢንዱስትሪ ምችው ኩነታት እናፈጠረ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ንምስፋሕ ድማ እቲ ቤት ምኽሪ እታዎት ናይ ምሃብን ንቑሕ ተሳትፎ ናይ ምግባርን ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኣብቲ መፍረያይ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማት ብዝተወደበ መንገዲ ንመንግሥቲ ብምቕራብን ኣብ እታዎት ፖሊሲ ብምስታፍን ተወዳዳሪነት እቲ ዓውዲ ንከረጋገፅ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።
ሓዱሽ ኣመራርሓ እቲ ቤት ምኽሪ ተካእቲ ፍርያታት ኣብ ምስፍሕፋሕ፣ፈጠራ ዕድል ስራሕን ንግዲ ወጻእን እቲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ብዝለዓለ ኩነታት ንክሰርሕ ናይ ምግባር ሓላፍነት ንክዋፃእ ሓቢሮም።