ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ደለይቲ ስራሕ ምስ ቆፀርቲ ኣብ ምርኻብ ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበረ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ደለይቲ ስራሕ ምስ ቆፀርቲ ኣብ ምርኻብ ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበረ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ)፦ ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ደለይቲ ስራሕ ምስ ቆፀርቲ ኣብ ምርኻብ ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበረ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ገሊፆም።
እቲ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ተበፃሕነት ስርዓት ዲጂታል ካብ ምስፋሑ ብተወሳኺ ብቴክኖሎጂ ፋይናንስ ሓደሽቲ ኣማራፅታት ስራሕ ክፍጠሩ እናገበረ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ስርዓት ሓበሬታ ዕዳጋ ስራሕ ጠለብ ኣቕርቦት ሓይሊ ሰብ ንምጥዕዓም ዝተዳለወ መድረኽ ዲጂታል እዩ።
ብሃገር ለኸ ዘሎ ቁፅሪ ደለይቲ ስራሕን በቢ ዓውዱ ዘሎ ክፍቲ መደባት ስራሕን ናብ ሓደ ማእኸል ምእካብን እቲ ሓይሊ ሰብ ብዘመናዊ ሓበሬታትን ክእለትን ብምህናፅ ንዓለም ለኻዊ ዕዳጋ ብቑዓት ምግባርን ዕላማ እቲ ስርዓት ሓበሬታ ከም ዝኾነ ተመላኺቱ።
ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ንኢዜኣ ከም ዝገለፅዎ፤ ስርዓት ሓበሬታ ስራሕ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ደለይቲ ስራሕ ምስ ቆፀርቲ ኣብ ምርኻብ ዝለዓለ ኣበርክቶ እናገበረ እዩ።
እቲ ስርዓት ተግባራዊ ምግባር ካብ ዝጅምር ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ከም ዝኾኖ ብምግላፅ፤ በዙይ እውን 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዜጋታት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ንስራሕ ከም ዝተዋፈሩ ገሊፆም።
ብብርኪ ሃገር እውን 45 ሽሕ ናይ መጀመርታ ዲግሪ ዘለዎም ደለይቲ ስራሕ መናእሰይ ውዕሊ ስራሕ ክፍፅሙ እቲ ስርዓት ምችው ኩነታት ከም ዝፈተጠረ ተዛሪቦም።
ከም ገለፃ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ተበፃሕነት ስርዓት ዲጂታል ካብ ምስፋሑ ብተወሳኺ ብቴክኖሎጂ ፋይናንስ ሓደሽቲ ኣማራፅታት ስራሕ ክፍጠሩ ሓጊዙ እዩ።
ብዲጂታል 2025 ኢትዮጵያ ዲጂታል ፕላትፎርም ብምጥቃም ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረ ብምግላፅ፤ እዙይ እውን ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምዕባይ እናተሰርሐ እዩ።
ብሓፈሻ እቲ ስርዓት ሓበሬታ ኣብ ወፃኢ ሃገራት መማረፂ ስራሕ ርሕቐትን ፍሪላንስን ከምኡ እውን ቁፅሪ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ኣማራፅታት ስራሕ ተረባሕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ክዓቢ ምችው ኩነታት ከም ዝፈጠረ ኣመላኺቶም።