ሌፍተናንት ጄኔራል ታደሰ ወረደ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ሹመቶም ተናዊሑ - ኢዜአ ትግርኛ
ሌፍተናንት ጄኔራል ታደሰ ወረደ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ሹመቶም ተናዊሑ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 30/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ 1 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ሹመት ሌፍተናንት ጄኔራል ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ኣናዊሖም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ዓሕመድ(ዶ/ር) ሹመት ሌፍተናንት ጄኔራል ታደሰ ወረደ ንሓደ ዓመት ከም ዘናውሑ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ሕገ መንግሥቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 62(9)ን ቁፅሪ ኣዋጅ 359/1995 ዓንቀፅ 14 ንኡስ ዓንቀፅ 2(ለ) ሓቛፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብርእሰ ምምሕዳር ንክመርሑብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሓቛፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዝምልከት ብዝፀደቐ ቁፅሪ ደንቢ 479/2013 ዓንቀጽ 4(2)ን ብመሰረት ዘቕረብዎ ኣፈፃፅማ ስራሕ ሓደ ዓመትን እዩ ሹመቶም ተናዊሑ።