ስራሕቲ ሪፎርም ትካላት ፀጥታ ትካላዊ ዓቕሚ ፖሊስ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣሸጋጊርዎ እዩ- ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል - ኢዜአ ትግርኛ
ስራሕቲ ሪፎርም ትካላት ፀጥታ ትካላዊ ዓቕሚ ፖሊስ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣሸጋጊርዎ እዩ- ኮሚሽነር ጄኔራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 29/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ትካላት ፀጥታ ትካላዊ ዓቕሚ ፖሊስ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከም ዘሸጋገሮ ኮሚሽነር ጄኔራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል ገሊፆም፡፡
መበል 20 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ “ፖሊሳዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላም” ብዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበበ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኮሚሽነር ጄኔራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገብረ ሚካኤል ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተሰለጡ ስራሕቲ ሪፎርም ትካላዊ ዓቕሚ ፖሊስ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣሰጋጊርዎ እዩ።
ሪፎርም ትካላት ፀጥታ ካብ ዝተጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ፖሊስ ብመዳይ ሓይሊ ሰብ፣ ስልጠናን ሎጂስቲክስን ዓብዪ ለውጢ ኣመዝጊቡ እዩኢሎም።
ቅድሚ ሐዚ ፖሊስ ምስ ቴክኖሎጂ ዝነበሮ ምትእስሳር ዝተሓተ ከም ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ኣፍሪካን ዓለምን ብኣርኣያነት ዝግለፁ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ምክልኻልን ምርመራን ገበናት ከም ዝወነነ ሓቢሮም፡፡
ዩንቨርስቲ ፖሊስ ኢትዮጵያን ኣካዳሚታት ፖሊስ ክልላትን ብዝሃብዎ ሰፋሕቲ ስልጠናታት"፤ እቲ ሰራዊት ብፍልጠት ዝተሃነፀን ሙያዊ ብቕዓቱ ዝተረጋገፀን ፕሮፌሽናል ሓይሊ ክኸውን ከም ዘኽኣሎ ገሊፆም።
ብመሪሕነት ለውጢ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፖሊስ ኢትዮጵያ ዶክትሪን ክህልዎ፣ ሓይልታት ፖሊስ ሓደ ዓይነት መሪሕ ሓሳብን ስትራቴጂካዊ ራእን ክህልዎም ከም ዝተገበረ ኣገንዚቦም።
እዚ ሓድነት ኣብ እዋን ጎንፂ ሰሜን ፖሊስ ከም ሓደ ግንባር ሰራዊት ብምስታፍ ንሉኣላውነት ሃገሩ መስዋእቲ ብምኽፋል ብተግባር ንድሕንነት ሃገሩ ከም ዝተቓለሰ ኣዘኻኺሮም።
ብተወሳኺ ብብርኪ ፌደራል ዝተሃነፁ ዓቕምታት ሎጅስቲክስ ናብ ክልላት ክስፋሕፍሑ እናተሰርሐ ከም ዝኸነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን መብዛሕቲኦም ክልላት ናይ ባዕሎም ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ምህናፅ ናብ ዝኽእልሉ ብርኪ እናተሰጋገሩ እዮም ኢሎም።
እቲ ጉባኤ ቐፃሊ ኣብ ዝሳለጡ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብምዝታይ ሓበራዊ ቅዋም ከም ዝሕዝ እውን ኣረዲኦም።