ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ እተረኺቡ ንዞባዊ ድሕንነትን ሓበራዊ ብልፅግናን ወሳኒ እዩ -ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሪር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምላሽ እተረኺቡ ንዞባዊ ድሕንነትን ሓበራዊ ብልፅግናን ወሳኒ እዩ -ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሪር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/29/ 2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ምላሽ ክረክብ ምግባር ንዓለም ለኸ ድሕንነት መስመር ንግዲ፣ ዞባዊ ምትእስሳርን ሓበራዊ ምዕባለን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሪር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ገሊፆም።
ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ''ምሕደራ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን፤ ሓቛፋይነትን ምትእስሳርን ንሓበራዊ ረብሓ'' ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 4ይ ዓመታዊ መድረኽ ዘተ እናካየደ ይርከብ።
ሪር ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሉኣላዊ መብፅሒ ታሪኻዊ ሕቶ፣ሕጋውን ስትራቴጂክ መሰረትን ቅቡልነት ዘለዎ እዩ።
ኢትዮጵያ ካብ በሪ ባሕሪ ዝተገለለትሉ ፍትሕዊ ዘይኮነ በደል ኣብቲ ዞባ ትፅቢት ዝግበረላ ሃናፂ ግደ ከይትፃወት ከምዝገደበ ብምግላፅ፤ እታ ሃገር ስሉጥ ዕቤት ኢኮኖምን ጠለብ ልምዓት ህዝብን ንምቅልጣፍ ዘተኣማምን በሪ ባሕሪ ምርካብ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ጥንኩር ሓይሊ ባሕሪ ብምህናፃ ኣብ ባሕሪ ዝህሉ ሽፍትነት፣ ዘይጋዊ ዝውውር ኣፅዋር፣ ግብረ ራዕዲን መሰል ስግኣታትን ንምውጋእ ልዑል ዓቕሚ ምትሕብባር ክኸውን እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም.
ሉኣላዊ መብፅሒ ሕቶን ድሌትን በሪ ባሕሪን ወሽመጥ ባሕረ ኤደንን ኢትዮጵያ ድሕንነት ዓለም ለኸ መስመር ንግዲ ብምርግጋፅ ንዞባዊ ምትእስሳርን ሓበራዊ ምዕባለን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ጃፋር በድሩ ብግደኦም፤ ዘላቒ ሰላምን ዕቤት ኢኮኖሚን ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ባሕሪ ኤደንን ንምቅልጣፍ ኩለን ሃገራት ዘሳትፍ ምሕደራ ባሕሪ ክሃንፃ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ዘተኣማምን ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ እውን ዞባዊ ምትእስሳር ብምጉልባት ኣብ መምርሒ ሓባራዊ ተረባሕነት ዝተመስረተ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።