ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ትካላት ፖሊስ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ሃገርን ብምሕላው ዘኹርዕ ተግባር ፈፂሞም እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ትካላት ፖሊስ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ሃገርን ብምሕላው ዘኹርዕ ተግባር ፈፂሞም እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /29/2018 (ኢዜኣ)፦ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ትካላት ፖሊስ ሓድነቶም ብምጥንኻር ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ብምሕላው ዘኹርዕ ተግባር ከም ዝፈፀሙ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
መበል 20 ጉባኤ ኮሚሽነራት ፖሊስ “ፖሊሳዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላም” ብዝብል ቴማ ኣብ ኣዲስ ኣበበ ምክያድ ጀሚሩ፡፡
እቲ ጉባኤ ብመሰረት መጣየሺ ኣዋጅ ፖሊስ ፌደራል ቁፅሪ 720/2004 ዝተጣየሸ እንትኸውን፤ ኮሚሽነራት ፖሊስ ፌዴራልን ክልላትን ሕድሕዳዊ ናፅነቶም ከም ዘለዎ ኾይኑ ኣብ ሓበራዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዘለዎም ምውዳድ ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።
ኣብ መኽፍቲ እቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፤ ትካላት ፖሊስ ላኣላውነት ሃገርን ድሕንነት ህዝብን ኣብ ምርግጋፅ ዓብዩ እጃም እናበርከቱ ከም ዝኾኑ ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ከም ዝገለፅዎ፤ ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ዝተኻየደ ሪፎርም ፖሊስ ቀንዲ ዕላማኡ ጠንካራ ትካላት ምህናፅን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ብቑዓት ሰብ ሙያ ምፍራይን እዩ።
መንግስቲ መደመር ፖሊስ ኢትዮጵያ ዝህቦ ኣገልግሎት ዘተኣማምን ክኸውን ከም ዘለዎ ይኣምን ኢሎም፡፡
ብመጀመርያ ንሕገ መንግስቲ፣ ንህዝቦምን ሕልነኦምን ተኣማኒ ብሙዃን ዝተውሃቦም ሃገራዊ ሓላፍነት ብብቕዓት ክዋፅኡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ሪፎርም ፖሊስ ጭቡጥ ለውጢ እናምፅአ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ብባንዳን ባዕዳውያንን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝረኣለሙ ውዲታት ኣብ ምምካት ሓይሊ ፖሊስ ብሓድነት ደው ብምባልን መስዋእትነት ብምኽፋልን ኢትዮጵያ ከም ዘፅንዐ ኣረዲኦም።
ፖሊስ ተልእኾ ፀላእቲ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ብምህዳንን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓልን ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ምቅስቓስ ኢትዮጵያ ብዘይ ዕንቅፋት ክቕፅል ምግባር ናይቲ ሪፎርም ቀንዲ ዕላማ ከም ዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ነዙይ እውን ግደ ኣመራርሓ ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ዘይትካእ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም፡፡
ፖሊስ ኣብ ቀፃሊ ብዙሓት ሃገራዊ ተልእኾታት ከም ዘለውዎ ብምግላፅ፤ ቀፃሊ ወርሒ ጉንቦት ንዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ፍሉይ ትኹረት ክህብ ከም ዝግብእ ገሊፆም፡፡
እቲ መረፃ ሰለስተ ቀንዲ ዕላማታት ከም ዘለውዎ ብምግላፅ፤ ከይዲ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ክኸይድ ምግባር፣ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ቀፃልነት ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ምርግጋፅን ሃገር ብዘይ መንግስቲ ንምትራፍ ዝፍሓሱ ውሽጣውን ደጋውን ውዲታት ምኽሻፍን ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ንዕውትነት እቲ መረፃ ፖሊስ ከይዲ እቲ መረፃ ብንቕሓት ምክትታል፣ ተሳተፍቲ ካብ ዝኾነ ዓይነት ጥቕዓት ምሕላውን ስግኣታት ከምክንን ከም ዝግባእ እውን ሓቢሮም።