ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነ ጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/29/ 2018 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብሕልፈት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሓዘን፤ ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ብምሕላፈን መሪር ሓዘን ተሰሚዑኒ ኢሎም።
ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ንሃገረን ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ንዘበርከተኦ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ፣ ኣስተምህሮን ንቑሕ ኣመራርሓን ኩሉ ግዘ ክዝከራ እየን ክብሉ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ቆንጂት ትግህትን ከም ሓፂን ዝጠንከራን ዲፕሎማት ከምዝነበራ እውን ኣዘኻኺሮም።