ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣብ ካልኣይ ፕሮግራም ምምሕያሽ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝተተለሙን ምስ ትልሚ ልምዓት ዓሰርተ ዓመት ዝጠዓዓሙን እዮም

ኣዲስ ኣበባ፤መጋቢት 29/2018 (ኢዜኣ)፦ ኣብ ዝተማልአ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣብ ካልኣይ ፕሮግራም ምምሕያሽ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚ ዝተተለሙን ምስ ትልሚ ልምዓት ዓሰርተ ዓመት ዝጠዓዓሙን ከም ዝኾኑ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።
ሚኒስቴር ገንዘብ ውፅኢታውነት ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ዝተሳለጡ መዋቕራዊ ምምሕያሽ ዝተማልአ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝግምግም ዝርዝር ሪፖርት ዕላዊ ገይሩ።



ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብ ዝገበርኦ መደረ፤ እቲ ሪፖርት ሓበራዊ ውፅኢት ስራሕ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፣ በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል፣ ኢንስቲትዩት ፅንዓት ፖሊሲን ዓለም ለኸ መዳርግትን ከም ዝኾነ ገሊፀን።
ትካላዊ ምውዳድ ንዝተመዝገበ ዓወት ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገበረ እውን ሓቢረን።
ብምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ኣብ ካልኣይ ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተተለሙን ምስ እቲ ትልሚ ዓሰርተ ዓመት ዝጠዓዓሙን እዮም ኢለን።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ኣገልግሎትን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት እውን ጠንካራን ሰፊሕ መሰረት ዘለዎን ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናመዝገበት ከም ዝኾነት ገሊፀን።
እዙይ ድማ ነፀብራቕ ፕሮግራም ሪፎርም ዝዓለሞ መዋቕራዊ ሽግግር ከም ዝኾነ ፀሪሐን።
ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ቀንዲ ፍልፍል ዕብየት ተባሂሎም ኣብ ዝተፈለዩ ሓሙሽተ ዓምድታት ኢኮኖሚ ማለት እውን ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ማዓድን፣ ቱሪዝምን ኣይሲቲን ውፅኢታዊ ዓወታት ከም ዝተመዝገቡ ኣብሪሀን።
ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ በቲ ሪፎርም ዝተሓሰበሉ ውፅኢት እናዓወተ ከም ዝኾነን ዝተሳለጡ ተግባራት እውን ናይዚ መርኣያ ከም ዝኾኑን ገሊፀን።
እቲ ውፅኢታዊ ሪፎርም ኢኮኖሚ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል እውን ኣፍሊጠን።
እቲ ሪፖርት ሕሉፋት ስራሕቲ ዝገምገመ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሐሸ ትልሚ፣ ዝሐሸ ምውዳድን ውፅኢትን ዝተመዝገበሉ ንቐፃሊ ዝሐሸ መንገዲ ዘመላኽት ከም ዝኾነ እውን ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም