ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ልምዓት ከፊቱ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ልምዓት ከፊቱ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 29/2018 (ኢዜኣ) ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ልምዓት ከም ዝኸፈተ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስቴር ገንዘብ ውፅኢታዊነት ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ዝተሳለጡ መመሓየሺታት ማክሮ ኢኮኖምን መዋቕርን ዝግምግም ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ።
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ መመሓየሺ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ልምዓት ዝኸፈተን ዝጭበጡ ውፅኢታት ዝተመዝገበሉን እዩ።
እቲ ፀብፃብ ብጉጅለ ማኔጅመንት ኢኮኖሚ ብባዕላዊ ዓቕሚ ዝተዳለወ ስለዝኾነ ኣብዚ ሕዚ እውን ኣብ ትካላት ጠንካራ ዓቕሚ ዘለዎም ሰብ ሞያ እናተፈጠሩ እዮም ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ትካላት መንግሥቲ ነፃነት ፖሊሲ ዘለዎም ምዃኑ ንዕዉትነት እቲ መመሓየሺ ዓብይ እጃም ከም ዘለዎ ተዛሪቦም።
ብሄራዊ ባንኪ ጥዕና ዘለዎ ስርዓት ፋይናንስ ንምርግጋፅ ዝነኣዱ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ እቲ ባንኪ ምርግጋዕ ዋጋን ጥዕና ዘለዎ ዓውዲ ፋይናንስን ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ ኢሎም።
እዚ ፀብፃብ ክሳብ ሕዚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጡ ስራሕቲ እውን ብዝርዝር ዘካተተ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ውፅኢት እናተረኸበሉ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ፀብፃብ ትኽክለኛ ኣንፈት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘርኢ ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።