እቲ ቤት ምኽሪ ዝተመሓየሽ ኣዋጅ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን ኤክስቴንሽን ግብርና በዓል ብዙሕ ተዋሳእቲ ኣፅዲቑ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ቤት ምኽሪ ዝተመሓየሽ ኣዋጅ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን ኤክስቴንሽን ግብርና በዓል ብዙሕ ተዋሳእቲ ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 29/2018 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን ኤክስቴንሽን ግብርና በዓል ብዙሕ ተዋሳእቲ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 14 ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ኣካይዱ።
እቲ ቤት ምኽሪ ቃለ ጉባኤ መበል 13 ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕን ዝተመሓየሸ ረቂቕ ኣዋጅ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን ኤክስቴንሽን ግብርና በዓል ብዙሕ ተዋሳእትን ብዝምልከት ካብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ግብርና ዝቐረበሉ ፀብፃብን ውሳነን መርሚሩ ኣፅዲቑ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ግብርና ሰለሞን ላሌ እቲ ፀብፃብን ሓሳብ ውሳነን ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ግብርና ልዑል ትኹረት ሂባ እናሰርሐት እያ ትርከብ።
ተበፃሕነት ኣገልግሎት ኤክስቴንሽን ግብርና ንምስፋሕን ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይን ኣዋጅ ከምዝተዳለወ እውን ሓቢሮም።
እቲ ኣዋጅ ኣብዚ መዳይ ቴክኖሎጂ ግብርና ንምልላይን ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ከምኡ እውን ቢዝነስ ግብርና ንምስፋሕ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ረቂቕ ኣዋጅ ነፃነት ሓበሬታን ረቂቕ ኣዋጅ ኣብያተ ፍርዲ ሸሪዓ ፌዴራልን መርሚሩ ናብ ዝምለከቶም ቀዋሚ ኮሚቴታት መሪሑ እዩ።