ኢትዮጵያ ምክትል ፕረዝደንትነት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ብብቕዓት ፈፂማ እያ 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/ 29/2018(ኢዜኣ) ፦ ኢትዮጵያ ምክትል ፕረዝደንትነት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብብቕዓት ከም ዝፈፀመት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ገሊፁ፡። 
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ መበል 16 ስሩዕ ኣኼባኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ፡፡ 
ውሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንኢዜኣ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኢትዮጵያ 47 ሃገራት ብኣባልነት ኣብ ዝሐዘ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ወድብ ሕቡራት መንግስታት ኣባል ብሙዃን ንሳልሳይ ግዘ ተመሪፃ ብንጡፍ እናሰርሐት ትርከብ፡፡ 
ኣብዚ ናይ ኣባልነት ዘመና፤ ኣብ ጄኔቫ ካብ 23 ፌብሩዋሪ  ክሳብ  31 ማርች/2026  ክካየድ ኣብ ዝፀንሐ መበል 16 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕብራት መንግስታት ምክትል ፕረዝዳንት ብሙዃን ፈላማይ ሓላፍነት ኣመራርሓኣ ብብቕዓት ከም ዝተዋፀአት ገሊፆም፡፡
እቲ ኣኼባ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት በተን ኣባል ሃገራት ዝቐረቡ 38 ውሳነታት ዝተመሓላለፍሉ እንትኸውን ካብዚኣቶም እቶም 7 ሃገር ተኮር ውሳነታት ከም ዝኾኑ ሓቢሮም፡፡ 
ካብቶም ሃገር ተኮር (Country Specific) ውሳነታት ማእኸል ጎንፂ ዩክሬንን ሩስያን፣ ኣብ ሶሪያን ጊላን ከባቢ ዘለዉ ዛዕባታት፣ምስ ፍልስጤምን ድቡብ ሱዳንን ዝተተሓሓዙ ዛዕባታት እዮም፡፡  
ኣብዞም ሃገር ተኮር ዛዕባታት እተን ኣባል ሃገራት ካብ ናይ ባዕለን ብሄራዊ ረብሓ ብምብጋስ ውሳነታት ድጋፍን ተቓውሞን ከም ዘመሓላለፋ ገሊፆም፡፡ 
ኢትዮጰያ ከም ኣባል ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት መርገፂኣ ከም ዘንጸባረቐት ብምግላፅ፤ ሃገርና ብዓይኒ መትከል ሃገር ተኮር ውሳነታት ከም ዘይትድግፍ ገሊፆም፡፡ 
መሰል ውሳነታት ኣቐዲሞም ከም ዝነበሩን ኢትዮጵያ እውን ከም ዝተቓወመትን እውን ኣዘኻኺሮም፡፡
ንኣብነት ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ሃገርና ኣብ ዘይተስማዕማዐትሉ ዛዕባ ኮሚሽን ዓለም ለኻዊ ሰብ ሙያ ሰብኣዊ መሰላት ተጣይሹ ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ብሓባር ደው ከም ዘበልኦ ገሊፆም።
ከምዚ ዓይነት ሃገር ተኮር ውሳነታት ዝምልከተን ሃገራት ከይተስማዕመዓሉ ዝጣየሹ፣ ስልጣን ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዘጣቕሱ፣ ከምኡ እውን ትሕዝቶ ምርመራን ዓለም ለኻዊ ዳይነትን ዘለዎም እዮም ኢሎም።
ኢትዮጵያዊ ከምዚ ዝበሉ ሉኣላውነት ሃገር ኣብ ሕቶ ዘእትዉ ሃገር ተኮር ውሳነታት ብመትከል ከም ዘይትድግፍ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ጉባኤ ዘሕለፈቶ ውሳነ እውን ነዙይ ዘመላኽት እዩ ክብሉ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ እስራኤልን ፍልስጤምን ብዝምልከት ክተሰጉሞ ዝፀንሐት ቅዋም ሐዚ እውን ከም ዝቐፀለትሉ ተዛሪቦም።
እስራኤልን ፍልስጤምን ብዝምልከት ናይ ክልቲአን ሃገራት መትከል ከም ትድግፍን ምስ ክልቲአን ሃገራት እውን ፅቡቕ ርክብ ከም ዘለዋን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያዊ ናይ ፍልስጤም መሰል ዓርሰ ውሳነ ከም ትድግፍ ብምግላፅ፤ ነዙይ እውን ኣብ ጉባኤ ምኽሪ ሰብኣዊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተመሓላለፈ ውሳነ (HRC/61/L.37) ደጊፋ ድምፂ ከም ዝሃበት ተዛሪቦም። 
ፀገም ክልቲአን ሃገራት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ብመሰረት ውሳነ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውሕመን ቤት ምኽሪ ፀጥታን ተግባራዊ ክኸውን ፃውዒት ምቕራባ እውን ገሊፆም።
ብኻልእ ወገን ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ትራንስፖርት ኣየር፣ ምንቅስቓሳት መርከባትን ኣብ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ዘሕድሮ ቀጥታዊ ፀቕጥን ስግኣትን ነቲ ጉባኤ ከም ዝገለፀት ኣብሪሆም።
 ህፁፅ ስምምዕነት ትኹሲ ደው ምባል ክግበርን መፍትሒ ክእለሽን ፃውዒት ከም ዝገበረት እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም