ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ኣምባደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ/29 መጋቢት/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ኣምባደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ንኢትዮጵያ ብዓውዲ ዲፕሎማሲ ዘገልገላ ኣምባሳደር ቆንጂት ሥነ ጊዮርጊስ ብምዕራፈን ዝተሰመዐኒ ሓዘን ክገልፅ ይፈቱ ኢሎም።
ኣምባሳደር ቆንጂት ካብ ቁልዕነት ክሳብ ፍልጠት ንኢትዮጵያ ብዲፕሎማትነት ብምግልጋል፣ ካብ ኣምባሳደር ዮዲት እምሩ ቀፂለን ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣምባሳደር ከም ዝኾና ኣዘኻኺሮም።
ንሕጊ፣ ንኣሰራርሓ፣ ፕሮቶኮልን ንረብሓ ኢትዮጵያን ብዝበነበረን ፀኑዕ እምነት ክንዝክረን ኢና ኢሎም።
ድሕሪ ንሰን ብዙሓት ደቂ ኣነስትዮ ዲፕሎማታት ኣብቲ ዓውዲ ክዋፈራ መንገዲ ከፊተን እየን ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ንቤተሰበን፣ንመሳርሕተንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እውን ፅንዓት ተመንዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም