እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ጠንካራ ኣፈፃፅማ ዕቤት ኣመዝጊቡ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ጠንካራ ኣፈፃፅማ ዕቤት ኣመዝጊቡ
ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 29/2018 (ኢዜኣ) እቲ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ጠንካራ ኣፈፃፅማ ዕቤት ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
ሚኒስቴር ገንዘብ ውፅኢታውነት ኣብ 18 ኣዋርሕ ዝተሳለጡ መመሓየሽታት ማክሮ ኢኮኖምን መዋቕርን ዝግምግም ዝርዝር ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ።
ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብታ ሃገር ተግባራዊ ዝተገበረ ኢኮኖሚያዊ መመሓየሺ ጭቡጥ ውፅኢት ንክምዝገቡ እናገበረ እዩ ዝርከብ።
ሓፈሻዊ ፍርያት እታ ሃገር ተኸታታልነት ዘለዎ ዕቤት እናርኣየ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቅልጡፍ ዕቤት ካብ ዘለወን ሃገራት እታ ሓንቲ ንክትኸውን ኣኽኢሉዋ እዩ ኢሎም።
ዓውዲ ኢንዱስትሪ ሞተር እቲ ኢኮኖሚ ኮይኑ እናቐፀለ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዓውድታት ግብርናን ኣገልግሎትን እውን ዝለዓለ ኣፈፃፅማ እናርኣዩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ካብ ዘምፀኦም ዓበይቲ ዕድላት እቲ ሓደ ንዝሓለፉ ኣመታት ፈታኒ ኮይኑ ዝፀንሐ ምኽባር ዋጋ ብዝለዓለ ኩነታት ምቕናስ ምኽኣሉ እዩ ኢሎም።
እቲ መመሓየሺ ተመን ሸርፊ ስዒቡ እውን ኣብ ንግዲ ወፃኢ እታ ሃገር ታሪኻዊ ለውጢ ከምዝተመዝገበ ኣረዲኦም።
ፍርያታት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘለዎም ተወዳዳሪነት ብምውሳኹን ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ኣታዊ ምዕባዩን ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ካብዚ ብተወሳኺ እውን ኣብ ኣታዊ ሓዋላ፣ዋሕዚ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃእን ውህላል ሸርፊ ወፃእን ዝተርኣየ ምምሕያሽ ልዑል እዩ ኢሎም።
ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዝተዋደደ ኣመራርሓን ብመረዳእታ ዝተደገፈ ትንታነን እናተመርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን መዋቕራዊ ለውጥታት ብምጥንኻር ዝተረጋግዐን እናዓበየ ዝኸድን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ብቆራፅነት ከም ዝስራሕ ኣረጋጊጾም።